- Последний пост
- 15 авг.
- Последнее чтение
- 15 авг.
- Постов за неделю
- 27
- Всего постов
- 39
- Тип
- открытый
- Язык
- und
- Категория
- Новости и СМИ (по похожим)
- В каталоге с
- 13 авг.
- 1/24сутки в ленте
- 769
- 1/48двое суток
- 881
- 1/72трое суток
- 950
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
видео или голосовое, без подписи
https://youtu.be/hnz2m6ERM7E
https://youtube.com/live/V6lP31woi0c
https://youtu.be/U_4eYAS368U
https://youtu.be/axMbZHZWgxQ
https://youtu.be/Vg3fmy1fxNk
https://youtu.be/Te4j0GihS0k
видео или голосовое, без подписи
ኣብ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ ንዝተዋህበ ውሳነ ይግበአኒ ከምዝሓተተ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። @@@@@@ ኣብ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ውሳነ ኣግባብ የብሉን ብምባል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግበአኒ ከምዝሓተተ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ዘውዱ ሃፍቱ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ነሓሰ 13/ 2015 ዓ.ም ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ ማእኸል ፅርግያ ከምዝተቐተለት ክሲ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ የርድእ። ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ እቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ብሰብ፣ብቪድዮን በድምፅን መረዳእታት ብምግባር ድማ ገበን ዝፈፀሙ ያሬድ ገብረስላሰን ኣንገሶም ሃይለማርያምን ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪድዎም እዩ። ተኸሰስቲ ናብ መጋባእያ ሰበር ንዘቕረብዎ ጥርዓን (ይግባኣኒ) መሰረት ጌሩ ነዚ ጉዳይ ብናይ ሰበር ስልጣኑ ዝረኣየ መጋባእያ ሰበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ግን ክፃረ ዝግብኦ ነጥቢ ስለዝረኽበሉ ናብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ከምዝመለሶ ገሊፁ እዩ። ማአኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ብዝተመለሰሉ ነጥቢ መሰረት ነቲ ዋኒን ዳግም ብምርኣይ ሓምለ 29/2018 ዓ.ም ንተኸሰስቲ ብናፃ ክሰናበቱ ወሲኑ እዩ። ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ድማ ንውሳኔ ማአኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣይተ ታደሰ ባይርኡ ዝተዋህበ ውሳነ ኣግባብነት ከምዘይብሉን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ይግበአኒ ከምዝሓተቱን ገሊፆም። እቲ ጉዳይ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሰበር ብምውሳድ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ክረክብ ከምዝሰርሑ ድማ ኣፍሊጦም። እቶም ተኸሰስቲ ሕዚ ብኣካል ኣብ ከተማ መቐለ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ምንም ዓይነት ሓበሬታ ከምዘይብሎም እውን ተዛሪቦም። ነቲ ጉዳይ ይከታተሉ ካብ ዝነበሩ ዓቀብቲ ሕጊ ከተማ መቐለ ብወገኖም ማአኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ዕድመ ልክዕ ንምፍራድ ካብ ዝተጠቐመሉ መረዳእታ ወፃኢ ነፃ ንምባል ዝተወሰኸ መርትዖ ከምዘየለ ኣረጋጊፆም። ዕድመ ልክዕ ንምፍራድ ዝተጠቐመሎም መረዳእታት ኩሎም ከምዘለዉ ብምግላፅ ክሳብ ሕዚ ዝጠፍአ መረዳእታ የለን ኢሎም።
видео или голосовое, без подписи
ብዘሰንብድ መልክዑ ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘይፈልጥን ዳርጋ ምስ 77 ዓ/ም ዝመሳሰል ዓይነት ድርቂ ከምዘጋጠመ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣፍሊጡ። ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንእዋናዊ ኩነታት ክራማት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሎሚ ዘመን ክራማት ብዘይተለመደ መልክዑ ሓረስታይ ትግራይ ብዘይተለመደ መልክዑ ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ መሬቱ ክግልብጥ ከምዝተገደደ ገሊፁ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ 23 ወረዳታት ትግራይ ዝተሓተ መጠን ዝናብ ይዘንብ ከምዘሎን ኣብ 19 ወረዳታት ማእኸላይ መጠን ዝናብ ኣብ 13 ወረዳታት ትግራይ ድማ ዝሓሸ መጠን ዝናብ የተኣናግዳን ይረኽባን ከምዘለዋ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብዞባ ደረጃ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝርከባ ወረዳታት ትግራይ ብሕፅረት ዝናብ ኣዝየን ከምዝተሃሰያ ዝገለፀ እቲ ቢሮ ፥ ዞባ ደቡብ ኣብ 2ይ ደረጃ ማእኸላይ ትግራይ ብ3ይ ደረጃ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ድማ ዝሓሸ መጠን ዝናብ ይረኽባ ምህላወን ሓቢሩ። ወረዳታት ኢሮብ፥ጣንቋ ኣበርገለ ፥የጭላ፥ ራያ ዓዘቦ፥ጨርጨር፥ራማ ፥እገላ ካልኦትን ብዋናነት ዝተጠቕዓ ከባብታት ምኳነን እውን ኣብሪሁ። ሓደጋታት ባርኖስ ኣሜሪካን በረድ ዝሓወሶ ዝናብን ውሕጅን ካብ ድርቂ ብተወሳኺ ካልእ ዝተረኣየ ሓደጋ ምኳኑ ገሊፁ ኣሎ። ኣብ ሃብቲ እንስሳት ብተወሳኺ ተመሳሳሊ ሓደጋ የጋጥም ከምዘሎ ዝሓበረ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ በዚ እውን 24 ወረዳታት ከምዝተጠቕዓ ኣፍሊጡ። ብሓፈሻ ናይ ልዕሊ 78 ሽሕ ሓርስቶት እንስሳት ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቓን 182100 ጤለ በጊዕ በቲ ድርቂ ከምዝተሃሰያን 1172 እንስሳት ብሕማም ከምዝተጠቕዑን ካብዚ እዮም 74 እንስሳት ከምዝሞቱን ገሊፁ ። ብምኳኑ ኩሉ ኣካል ቀንዲ መፍትሒ ኣብ ዝኾነ ዓርሰ ምርኮሳ ክድረኽን እቲ ሓላፍነት ንቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ጥራሕ ከይገደፈ ክረባረብን ከምዝግባእ እቲ ቢሮ ኣተሓሳሲቡ ። ብፍላይ ኢንቨስተራት ወልቀ ሰብ ሃፍቲ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን ካልኦትን ኣብዚ ናይ ባዕሎም ግደ ከበርክቱን ሓገዞም ከጠናኽሩን ከምዝግባእ ሓቢሩ። ዝተፈላለዩ ውዳበታትን ሓርሰቶትን ድማ ነንባዕሎም ክተሓጋገዙ ጠልን ማይን ክዕቅቡ፥ንጉድኣት ኣካልን ስድራ ስውኣትን ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ተላብዮም ።
https://youtu.be/uZtZn9IKbhA
https://youtu.be/75NoVvHTnbU
https://www.youtube.com/watch?v=adcRHeWFoZs
https://youtu.be/6JHlLFUjRAo
https://youtube.com/live/xWTEpATKyM0
https://youtu.be/xfX8tzWcBxM
https://youtu.be/YdsmLfYivNQ
https://youtu.be/5SseNVU8p0Q
https://youtu.be/7ocrWraJ4VA