tgindex
Tigray Technology

Tigray Technology

Статистика
@tigraytechnologyанглийский

💻 ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትምህርትታትን እዋናዊ ሓበሬታታትን ዝቀርበሉ ቻናል! ==================== Home for Science & Technology Tutorials and News! 📱

Последний пост
12 июл. 2025 г.
Последнее чтение
13 авг.
Постов за неделю
0
Всего постов
20
Тип
открытый
Язык
английский
В каталоге с
13 авг.
Подписчики
706
+3 за 2 дн.
Сутки
0
0,00%
Неделя
 
Месяц
 
Просмотров на пост
1 675
20 постов
Вовлечённость
237,3%
к подписчикам
Постов в день
0,0
всего 20
Упоминаний
0
каналов
Охват размещения
оценка
1/24сутки в ленте
1/48двое суток
1/72трое суток

Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.

Посты

  • 📱 LinkedIn 📱 ብዛዕባ ናይ LinkedIn ኣካውንት ምኽራይ ናይ LinkedIn ኣካውንት ኣካርዮም ገንዘብ ዝረኸቡ ሰባት ኣለዉ። ሓደ ኣካውንት ክሳብ 20 ዶላር ይካረ። እቲ ክፍሊት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብUSDT ኣብ Binance ይፍፀም። ብዙሓት ሰባት'ውን ኣካውንት ንገዝእ ኢና እናበሉ መወዓውዒ የውፅኡ ኣለዉ። ግን ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ብደንቢ ተረድእዎም። ⚫ LinkedIn ምኽራይ ካብ ናይ LinkedIn ፕላትፎርም ፍቓድ ወፃኢ እዩ። "ናይ LinkedIn ፕሮፋይል ምኽራይ፣ ማለት ካልእ ሰብ ነቲ ናትካ ኣካውንት ንመራኸቢ ወይ ንኻልእ ንጥፈታት ክጥቀመሉ ምግባር፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣንፃር ውዕልን ግልጋሎትን LinkedIn ስለዝኾነ ከቢድ ሳዕቤን ከስዕብ ይኽእል እዩ።" ⚫ ኣብቲ ናትኩም ሕሳብ እንታይ ከም ዝካየድ ስለ ዘይትፈልጡ፣ ብፎቶኩምን ብስምኩምን ገበን ክፍፀመሉ ይኽእል እዩ። ውልቃዊ ሓበሬታኹም ንዘይግባእ ነገር ክውዕል ይኽእል እዩ። ⚫ እቲ ናትኩም ኣካውንት ክድረት (Limit)፣ ግዝያዊ እገዳ (suspend) ወይ ድማ ቀዋሚ እገዳ (permanent ban) ክግበረሉ ይኽእል እዩ። ብድሕሪ ምኽራይ LinkedIn ኣካውንት ዓበይቲ ዝመስላ ትካላት እኳ እንተሃለዋ፣ ንምትላልን ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ኣሰራርሓን ክኸውን ዕድሉ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ⚠️ ስለዚ ዝለዓለ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ።

  • 🖥 ኮምፒተርና ብመደብ (schedule) ከመይ ጌርና ክንዓፅዋ ንኽእል? 🔸 ሓደሓደ ጊዜ ኮምፒተርና ዓቢይ ፋይል ክተውርድ ኣዚዝናያ ወይ ዓቢይ ሶፍትዌር ክንፅዕን ከለና፡ ኮምፒተርና ድሕሪ ውሱን ሰዓታት ባዕላ ክትዕፆ ንደሊ ንኸውን። ንኣብነት፡ ለይቲ ሓደ ፋይል ክተውርድ ኣዚዝናያ፡ ድሕሪ ክልተ ሰዓት ኣውሪዳ ምስ ወድአት፡ ክሳብ ንግሆ ከይዓፀናያ እንተ ሓዲርና፡ ንጥዕና እታ ኮምፒተር ፅቡቅ ኣይኮነን። 🔸 ነዚ ፀገም ንምፍታሕ፡ ኣብ ኪቦርድና፡ Window + R ብሓንሳብ ንጥውቅ። ኣብቲ ዝመፅእ ንእሽተይ ቦክስ፡ ነዚ ዝስዕብ ትእዛዝ (command) ንጽሕፍ፦ shutdown –s –t number 🔸 ኣብቲ 'number' ዝብል ቦታ፡ ድሕሪ ክንደይ ሰከንድ ኮምፒተርና ክትዕፆ ከም እንደሊ ንጽሕፍ። 🔸 ንኣብነት፦ shutdown –s –t 3600 ኢልና Enter እንተጠዊቕና፡ ኮምፒተርና ድሕሪ 1 ሰዓት (ማለት 3600 ሰከንድ) ባዕላ ትዕፆ ማለት እዩ። (ምኽንያቱ 1 ሰዓት = 3600 ሰከንድ እዩ)። 🔸 ሓሳብና እንተቐይርና እሞ ነቲ ናይ ምዕፃው ትእዛዝ ክንስርዞ/ክነቋርፆ እንተደሊና፡ ከም ብሓድሽ Window + R ጠዊቕና ነዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ንጽሕፍ፦ shutdown –a ☑️ እዚ ሜላ ዝሰርሕ ኣብ Windows OS እዩ። @tigraytechnology

  • видео или голосовое, без подписи

  • ⚠ መጠንቀቕታ እዞም ኣብ ስእሊ ዘለው ክልተ ሊንክ ብቴለግራም እንተተላኢኩልኩም ክትከፍትዎ የብልኩምን። ብዙሓት ሰባት ነዞም ሊንክ ምስጠወቑ ናይ ቴለግራም ኣካውንቶም እናተጠለፈ እዩ።

  • ⚠ መጠንቀቕታ እዚ ኣብ ስእሊ ዘሎ ሊንክ ብቴለግራም እንተተላኢኩልኩም ክትከፍትዎ የብልኩምን። ብዙሓት ሰባት ነዚ ሊንክ ምስጠወቑ ናይ ቴለግራም ኣካውንቶም እናተጠለፈ እዩ።

  • 📌ናይ ኮምፒዩተር  ኦፕሬቲንግ ሲስተም ብከመይ ንፅዕን። 🔸🔸 ክነዳልዎም ዘለና ነገራት 🔸🔸 1.   ልዕሊ 4 ጊባ ፍላሽ ዲስክ 2. ሩፉስ(Rufus) ዝበሃል ሶፍትዌር 3. ብISO ፎርማት ዝተዳለወ ናይ ዊንዶውስ ወይ ካልእ ኦፐሬቲንግ ሲስተም ፋይል ኣብነት፡ (WINDOWS XP 7,8,8.1, 10,11)  ክነውርድ ኣለና። 🔹🔹ከይዲ ኣፃዓዕና🔹🔹 ▪️ ሩፉስ ነዚ ስራሕ ዝውዕል ፕሮግራም እዩ፣ ቀሊልን ቅልጡፍን ስለዝኾነ ሎሚ ከመይ ጌርና ክንሰርሓሉ ከም እንኽእል ክንርኢ ኢና:- ▪️እቲ ዘዳለናዮ  ፍላሽ ዲስክ ኣብ ኮምፒተርና ክንሰኩዖ ኢና።▪️ 1.ሩፉስ ድሕሪ ምውራድና Right Click ገይርና Run as Administrator ንጥውቅ። Update እንተሓቲቱና No ንብሎ። 2. እቲ ፕሮግራም ምስተከፈተ ኣብ Flash Disk Device menu ጠዊቕና ንመርፆ። 3. ድሕሪኡ ናብቲ iso image place ብምኻድ ነቲ ኣቐዲምና ዘዳለናዮ Windows soft copy ኣእቲና drive letter ንመርፅ። ✏️ እዚ ክንገብር ከለና እቲ ፕሮግራም ብኣውቶማቲክ ኩሉ ስለ ዘዳልዎ፡ ካልእ ክንመዓራረዮ ዝግበኣና ነገር የለን። 4. ድሕሪኡ Start Button ምስ ፀቐጥና ዝኾነ ኣብ ፍላሽ ዘሎ ዳታ ከም ዝጠፍእ መጠንቀቕታ ክንረክብ ኢና። ኣብቱ ፍላሽ ንደልዮ ፋይል እንተሃልዩ፡ ባክኣፕ ክንሕዝ ኣለና። ድሕሪኡ ok ንብሎ። 5. ኣብ መወዳእታ እቲ ፕሮግራም ነቲ ናይ ዊንዶውስ ሴትኣፕ ናብ ፍላሽ ድራይቭ ምቕዳሕ ክጅምር እዩ። ✏️ እቲ ፕሮግራም ምቕዳሕ ምስ ወድአ close ብምጥዋቕ ናብታ ክንፅዕና ዝደለናያ ኮምፒተር ንስክዖ። 🔸 ከመይ ጌርና ኮምፒተርና ብ USB  ፎርማት ንገብር 1. ኮምፒተር ምጥፋእ 2. ኣብ ላዕሊ ዘዳለናዮ USB ፍላሽ ድራይቭ ኣእቲና ንውልዓዮ። 3. F2, F9 ወይ F12 (ከከም ኮምፒተር ሞዴል ይፈላለ እዩ) ብምጥዋቕ ዝቕፅል ትእዛዝ ንክተል። 4. "install windows" ምስ መፀ፡ ዝደለናዮ ቋንቋን ካልእ ዝርዝራትን መሪፅና፡ ድሕሪኡ next ዝብል ንጥውቕ። 5. "Please read the license terms." ዝብል ምስ መፀ "I accept the license terms"  ዝብል ንጥውቕ። 6. "Which type of installation do you want?" ምስ ሓተትና Custom ንመርፅ። 7. " Where do you want to install Windows?" ምስ በለና "Drive options" ዝብል ንጥውቕ 8. ነቲ ፎርማት ክንገብሮ ዝደለና / ክንፅዕነሉ ዝደለና  ፓርቲሽን መሪፅና "format" ዝብል ንጥውቕ። NB፡ እቲ ፓርቲሽን ፎርማት ከይገበርና እውን ክንፅዕኖ ንክእል ኢና። 9. ፎርማት ምስ ወዳእና "Next" ዝብል ንጥውቕ። 10. ድሕሪኡ ነቲ መምርሒታት  ብምኽታል ኦፕረቲንግ ሲስተም ንፅዕኖ። ብቪድዮ ዝተሓገዘ ሙሉእ ኣፀዓዕና ከይዲ ኣብ ይትዩብ ቻናልና ኣለኩም። 👇👇👇 https://user253755.psee.ly/5mhan9

  • #ኣገልግሎት_ኮዳት_ቴሌ =============== 1. *803# LIB banking ግልጋሎት 2. *804# ዝተረፎም ሒሳብ ንምፍላጥ 3. *805# ሒሳብ ንምምላእ 4. *806*phone number*amount to transfer*1#  ንሰብ ካርዲ ንምምላእ 5. *809# for balance recharge and transfer 6. *810# ካርዲ ብልቓሕ ንምምላእ 7. *811# ኣገልግሎት Hibir mobile banking 8. *812# ኣገልግሎት Abay bank 9. *815# ኣገልግሎት bank of Abyssiniya 10. *817# Gize pay service 11. *819# ኣገልግሎት hallo cash 12. *820# ኣገልግሎት bunna bank 13. *822# ኣገልግሎት መፀውዒ ሙዚቃ 14. *827# ኣገልግሎት hijra mobile banking 15. *840# ኣገልግሎት oromia international bank 16. *844#  ኣገልግሎት Zemen banking 17. *845# ኣገልግሎት Enat bank 18. *847# ኣገልግሎት CBE Birr 19. *866#* ኣገልግሎት Wegagen bank 20. *870# ኣገልግሎት Addis international bank 21. *877# ኣገልግሎት Gada bank 22. *881#  ኣገልግሎት Birhan bank 23. *895# ኣገልግሎት Amole 24. *928# ኣገልግሎት ቋንቋ ምንቕያር 25. *961# ኣገልግሎት Amhara bank 26. *100# ወይ *107# ቁፅሪ IMSI ንምፍላጥ 27. *111# ቁፅሪ sim card ንምፍላይ 28. *127# ኣገልግሎት ቴሌብር ንምርካብ 29. *994*3*2# መዓዝ ካርዲ፣ ክንደይ ቅርሺ ከምዝመላእናን ንምፍላጥ 30. *994*2*2# ዝተዓፀወ ሲም ንምኽፋት 31. *994*2*1# ዝጠፍአ ሲም ንምዕፃው

  • እቲ ንናይ ኣመሪካውያን ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታት ዘሰንበደ ዲፕሲክ መን እዩ? 🇨🇳 ቻይና ኣብ ቀረባ እዋን ዝዘርግሐቶ ዲፕሲክ ዝተበሃለ ሓድሽ ኤኣይ መዛራረቢ ኮይኑ ኣሎ። 👉 እዚ ኤኣይ እዚ ከም ጉግል ጀሚኒ፡ ናይ ኦፐንኤይ ቻትጂፒቲን ካልኦት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣፕሊከሽናትን ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተዳለወ እዩ። 👉 ኣሜሪካውያን ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ነዞም ኣፕሊኬሽናት ንምምዕባል ቢልዮናት ዶላር ከውፅኣ ከለዋ፡ እዚ ቻይናዊ ጀማሪ ትካል ግን ብውሕድ ባጀት ከም ዘማዕበሎ ይሕብር። 👉 ዲፕሲክ ኣፕ ብሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ስለዝተሰርሐ ጥራይ ዘይኮነስ ንተጠቀምቲ ዝህቦ ግልጋሎት ቅልጡፍ ስለዝኾነ እውን ብብዙሓት ተመራፂ ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር። 👉 ብመሰረት ፀብፃብ ቢዝነስ ኢንሳይደር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዲፕሲክ ኣብ ኣፕ ስቶር ወይ ፕለይ ስቶር ብብዝሒ ካብ ዝድለዩ ኣፕ ቁፅሪ ሓደ ኮይኑ ኣሎ። 👉 እዚ ድማ ኣቓልቦ ከም በዓል ኦፕን ኤኣይን ጎግልን ዝኣመሰላ ኩባንያታት ከምዝሰሓበን ፍርያት ቴክኖሎጂ ንኸይትጥቀም ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣሜሪካ ንዝፀንሐት ቻይና ፅቡቕ ዕድል ከምዝኾነ ይንገር። 👉 እዚ ሓድሽ ኣፕ ሐዚ ንቻትጂፒትን ጀሚኒን በሊፁ እቲ ዝበዝሐ ተፈታዊ ኣፕ ኮይኑ ከምዘሎ ይንገር። በዚ ምክንያት ድማ ንተጠቀምቲ ብዝለዓለ ዋጋ ግልጋሎት ዝህባ ዝነበራ ኩባንያታት ዋጋታተን ከስተኻኽላ ከገድደን ከምዝኽእል ተገሊፁ። 👉 ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንመሰረተ ልምዓት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝህብን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ኩባንያ ኦፐንኤይ ናይ 500 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከምዝፈረመን ይዝከር። ⚠️ ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብቐፃሊ ይምዕብል ከምዘሎን ምስ ግዜ ድማ በብቑሩብ ዋላ ነቲ ብደቂ ሰባት ዝፍፀም መሰረታዊ ዕማማት ክሕዝ ምዃኑን ክኢላታት ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቖም እዮም። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Facebook: https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube: https://m.youtube.com/@tigraytechnology

  • ሓደ ድሕረገፅ/ወብሳይት ኣድራሽኡ ብምርኣይ ጥራሕ እቲ በዓል ዋና ናይቲ ድሕረገፅ ዝኮነ ትካል ኣብ እንታይ ዓይነት ስራሕ  ከም ዝነጥፍ ምፍላጥ ይከኣል እዩ። እዚ ሓበሬታ ዝህበና ድማ ናይቲ ድሕረገፅ አድራሻ 3ይ ክፍሊ እዩ፡ Top-Level-Domain ይበሃል። Top-Level-Domain(TLD) ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ድሕረ-ገፃት ኣድራሻ ዝርከብ ናይ መወዳእታ 3 ፊደላት ዝሓዘ ክፍሊ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተሰማረይሉ ዓውዲ ዝሕብር ዝተፈላለዩ ዓይነት TLD ኣለዉ። ኣብነት፦ .edu ፣ .gov ፣ .com ፣ .net ፣ .info ፣ .net ወዘተ ዝብሉ ምጥቃስ ይከኣል። እዞም በዓል 3 ፊደል ቅፅላት ብዛዕባ እቲ ትካል ዝሕብሩና ትርጉም ድማ:- 1) .𝗰𝗼𝗺 እዚ ቅፅል ዘለዎ ዌብሳይት አድራሻ እቲ ትካል ኣብ ንግዲ ዝተሰማረየ ትካል  ምኳኑ ይሕብር። 👉 com ማለት Commercial ማለት እዩ። 2) .𝗻𝗲𝘁 እዚ ቅፅል ዘለዎ ዌብሳይት አድራሻ እቲ ትካል ኣብ ቴለኮሚኒከሽን ወይ ቴክኖሎጂ ዝተሰማረየ ትካል  ምኳኑ ይሕብር። 👉 net ማለት Network ማለት እዩ። 3) .𝗴𝗼𝘃 እዚ ቅፅል ዘለዎ ዌብሳይት አድራሻ  መንግስታዊ ትካል  ምኳኑ ይሕብር። 👉 gov ማለት Government ማለት እዩ። 4) .𝗶𝗻𝗳𝗼 እዚ ቅፅል ዘለዎ ዌብሳይት አድራሻ እቲ ትካል ማዕከን ሓበሬታ  ምኳኑ ይሕብር። 👉 info ማለት Information ማለት እዩ። 5) .𝗲𝗱𝘂 እዚ ቅፅል ዘለዎ ዌብሳይት አድራሻ እቲ ትካል ኣብ ትምህርቲ ዝተሰማረየ ትካል  ምኳኑ ይሕብር። ኣብነት ዩኒቨርሲቲታት 👉 edu ማለት Education ማለት እዩ። 6) .𝗯𝗶𝘇  እዚ ቅፅል ዘለዎ ዌብሳይት አድራሻ እቲ ትካል ኣብ ቢዝነስ ዝተሰማረየ ትካል  ምኳኑ ይሕብር። 👉 biz ማለት Business ማለት እዩ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Facebook: https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube: https://m.youtube.com/@tigraytechnology

  • ፍላሽ ወይም ሚሞሪ ካርድ ፎርማት ክንገብር ከለና እንመርፆም FAT32፣ NTFS ን exFAT ን እንታይ ማለት እዮም? ኣፈላላዮምከ? FAT32፣ NTFS ን exFAT ን ኩሎም ፋይል ስርዓት  ኮይኖም ኣብ ሃርድ ድራይቭ፣ ፍላሽን SD ካርዲታትን መረዳእታ ወይ ድማ ዳታ ንምክዛንን ንምምችቻውን  ይጠቕሙ። ✈️FAT32 (File allocation Table 32) FAT (file allocation system) ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ እንተኾነ እኳ (FAT12, FAT16) ክሳብ ሎሚ እናተጠቅምናሉ ዝርከብ FAT ዓይነት ግን FAT32 እዩ። FAT32 ንመጀመርያ ግዘ ዝተኣታተወ ኣብ 1996 ኣ.ኣ ብማይክሮሶፍት  Windows 95 ኣቢሉ እዩ። ኣብ ካሜራታትን ጌም ማሽናትን ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ናይ መክዘን መሳርሕታት (Storage devices)ን  ኦፕሬቲንግ ሲስተማትን ተስማዕማዒ( compatible) ስለዝኮነ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጥቕሚ እናወዓለ ይርከብ።  ይኩን እምበር ክሕዞ ዝክእል ዝለዓለ መጠን ፋይል 4GB  ስለዝኮነን ካብ 2TB ንላዕሊ መጠን ፋይል ዝሕዙ ዲቫይሳት  ስለዘይሰርሕን ካልኦት ፋይል ሲስተም ዓይነታት ምጥቃም ኣገዳሲ ይኸውን። ንኣብነት 8GB ፍላሽ ብFAT32 ፎርማት እንተገይርናዮ ካብ 4GB ንላዕሊ መጠን ዘለዎ ፋይል ከመሓላልፍ ኣይክእልን። ስለዚ ካብ 4GB ንላዕሊ ዝኮነ ፋይል ክነሕልፍ ብካልእ ፋይል ሲስተም ፎርማት ምግባር የድሊ። ✈️NTFS (New Technology File System) NTFS ኣብ 1993  Windows NT እንትፋለጥ ሓቢሩ ዝተፋለጠ ኮይኑ ካብ FAT ሲስተም ዝተመሓየሸ ዘመናዊ ፋይል ሲስተም ዓይነት እዩ። ክሳብ 16 exabyte መጠን ፋይል ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እንትህልዎ ክሳብ 256 TB size ዝሕዙ ዲቫይሳት ፎርማት ምግባር የክእል። NTFS ካብ Windows 2000 ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ ናይ ዊንዶውስ ቨርዥናት ዝተለመደ ፋይል ሲስተም እንትኮን system crash ወይ power failure ኣብ ዘጋጥመሉ ጊዜ ፋይል ብቀሊሉ recover ንምግባር የክእል። እዚ ድማ  ተመራፂ ይገብሮ። ✈️exFAT (Extended File Allocation Table) ትካል ማይክሮሶፍት  ኣብ 2006 ዘተኣታተዎ ኮይኑ ኣብ FAT32 ዝነበሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዲዛይን ዝተገብረ እዩ። ካብ ካልኦት ብብዙሕ ዕፅፊ ዝበለፀ ፋይል ናይ ምሓዝ ዓቅሚ ኣብ ዘለዎም ዲቫይሳት  ዝሰርሕ ኮይኑ 16 exabyte መጠን ፋይል ናይ ምሓዝ ዓቅሚ አለዎ።  ኣብ 128 petabyte  ፋይል ዝሕዙ ዲቫይሳት እውን ብትክክል ይሰርሕ። ካብ ዊንዶውስ ብተወሳኪ ኣብ ካልኦት ፕላትፎርማት (macos ፡ Linux)  ዝሰርሕ ኮይኑ ልዑል መጠን ዘለዎም  ፍላሻት፣ ሚሞሪ ካርዲታትን ሃርድ ዲስክታትን ፎርማት ንምግባር ይጠቅመና። ብሓፈሻ  እዞም ፋይል ሲስተማት እንመርፆም ኣብ ንጥቀመሉ መሳርሒ ዓይነትን ኦፕሬቲንግ ሲስተምን ዝተሞርከሰ እዩ። 🔄 ናብ መሓዝቶም ሼር ምግባር ኣይረስዑ! 🙏🙏🙏 ንተወሳኪ ሓበሬታ 👇👇 Facebook፡ https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube፡ https://m.youtube.com/@tigraytechnology

  • ⌘ ናይ ዊንዶውስ 10 ፊቸራትን ፍልልያቶምን ማይክሮሶፍት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝዝርግሖም ዝተፈላለዩ Windows OS Editions/ሕታማት ኣለዉ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ኣብ ዓይነትን ድሌታትን ተጠቀምቲ ዝተመርኮሰ እዩ። እቶም ቀንዲ ሕታማት Windows 10 Pro፣ Windows 10 Homeን Windows 10 Enterpriseን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ንናይ ባዕሎም ባህሪን ረብሓን ኣለዎም። ሓፈሻዊ ትርጉማትን ፍልልያቶምን፡- 𝙒𝙞𝙣𝙙𝙤𝙬𝙨 10 𝙃𝙤𝙢𝙚- እዚ መሰረታዊ ሕታም ዊንዶውስ 10 ኮይኑ ኣብ ገዛ ኮምፒተር ንዝጥቀሙ ሰባትን ንመሰረታዊ ዕማማትን ዝተዳለወ እዩ። ንመልቲሚድያ፣ ጌም፣ ኢንተርነትን ዝኸውን ዝተፈላለየ ሶፍትዌር ንምውራድን ንምጥቃምን ይጥቀመሉ። መሰረታዊ ፊቸራት Windows 10 Home ✅Microsoft digital assistant (cortana) ✅Microsoft edge browser ✅Windows Defender antivirus ✅Windows Ink for digital pen support 𝙒𝙞𝙣𝙙𝙤𝙬𝙨 10 𝙋𝙧𝙤- Windows 10 Pro ንኣናእሽተይን ማእከሎትን ትካላት ንግዲ ዝተዳለወ ምዕቡል(Advanced) ሕታም ዊንዶውስ እዩ። ንኩሎም ናይ Window 10 Home ፊቸራት ዘጠቓልል ኮይኑ ብተወሳኺ ናይ ድሕንነት፡ ማናጅመንትን ቢዝነስን የካትት። ካብዚኣቶም ዝተወሰኑ ✅BitLocker encryption ✅Remote Desktop ✅Group Policy Management 𝙒𝙞𝙣𝙙𝙤𝙬𝙨 10 𝙀𝙣𝙩𝙚𝙧𝙥𝙧𝙞𝙨𝙚- Windows 10 Enterprise፤ ንዓበይቲ ትካላትን ኢንተርፕራይዛትን ዝተዳለወ እዩ። ንኹሉ ባህርያት ናይ Windows 10 Pro ዘጠቓለለ ኮይኑ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ናይ IT ዕማማት ንምስላጥ ዝጠቅሙ ከም... ✅Windows To Go ✅DirectAccess ✅AppLocker ✅Credential Guard ዝሓዘ እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኮምፒተርና ዊንዶውስ 10 ክንፅዕን ከለና፡ ኮምፒተርና ንነውዕሎ ዓይነት ስራሕ መሰረት ብምግባር ሕታም እውን ክንውስን ይግባእ። ንተወሳኺ ሓበሬታ 👇👇👇 Facebook: https://www.facebook.com/tigraytechnology YouTube: https://m.youtube.com/@tigraytechnology

  • ናይ ጥንቃቀ መልእክቲ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም

  • видео или голосовое, без подписи

  • መስራቲን ዋና ስራሕ መካየዲን ቴሌግራም ዝኮነ ፓየል ድሮቭ ኣብ ፈረንሳይ ኤርፖርት ተኣሲሩ።

  • https://yt.psee.ly/6d3tb7

  • видео или голосовое, без подписи

  • видео или голосовое, без подписи

  • ⚽️ ንስፖርት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግርን ካልኦት ዓይነት ስፖርትታትን ብቀጥታ (Live) ንምክትታል እትደልዩ በዞም ዝስዕቡ ድሕረገጻት ክትጥቅሙ ትክእሉ ኢኩም። 1. vipbox.lc 2. score808.tv 3. epicsports.me ብስልክኩም ምርኣይ ንትደልዩ ድማ ዝስዕቡ ክልተ ብሉጻት ኣብሊከሽናት ክትጥቀሙ ትክእሉ ኢኩም። @tigraytechnology 👇👇👇

  • 🔰 Tigray TV, DWI TV ን ካልኦትን ሓድሽ ፍሪኩዌንሲ ለውጢ ✅  ትግራይ ቲቪ፣ DW ቲቪን ካልኦት ብሓባር ዝኣትዉ ቻነላትን ፍሪኩዌንሲ ቀይሮም ብሓዱሽ ፍሪኩዌንሲ መጺኦም ኣለዉ። 📺 Tigray TV 📺 DWI TV 📺 Assena TV 📺 Dedebit TV 📺 HBS TV 📺 OMN  ኣብ ያህሳት ብሓድሽ ፍሪኩዌንሲ መጺኦም ኣለው። ➡️ Frequency :- 12595 ➡️ Polarization :- V ➡️ Symbol Rate :-27500 📡 Satellite :- Yahsat 52.5⁰ E 👉 ኣንፈት ርእሲ ዲሽ (LNB Skew) Vertical ብምግባር እቶም ቻነላት ብቕልጡፍ ክኣትዉ ምግባር  ይከኣል። ✅ N:B :- ኩለን ቻነላት ብ SDን HDን ሪሲቨር ይሰርሓ እየን።

  • #ሓበሬታ ኢትዮጵያ 5 ሚልዮን #ኮደርስ ዝብል ስልጠና ጀሚራ ኣላ። 🔸 እንታይ እንታይ ትምህርትታት ይወሃቡ? - Android Kotlin Development Fundamentals - Data Science Fundamentals - Programming Fundamentals 🔸 እቲ ትምህርቲ ብኸመይ ንረኽቦ? ▪️እቶም ስልጠናታት ብዩዳሲቲ(Udacity)  ዝተባህለ ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ፕላትፎርም ዝወሃቡ እዮም። ▪️ሰልጠንቲ ኮምፒዩተሮም ወይ ስልኮም ተጠቒሞም ብነጻ ክስልጥኑ ይኽእሉ። ▪️እቶም ስልጠናታት ካብ 6-7 ሰሙን ዝጸንሑ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ሞያዊ ምስክር ወረቐት ይወሃብ። 👉 ትሕዝቶ ናይቶም ስልጠናታት ከምኡ’ውን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ (https://ethiocoders.et/) ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም።

Tigray Technology — tgindex