tgindex
😇 ግጥምታት - ሃሌ ሉያ ! 🤲

😇 ግጥምታት - ሃሌ ሉያ ! 🤲

Статистика

ቅኔ ፡ ጥበብ ፡ ቃለ ኣሕጽሮ ፡ ቃለ ሰናይ ፡ ፈሪሃ እግዚአብሔር ፡ ሰማያዊ ልቢ ፡ መፅሓፍ ቅዱስ ፡ ኣእምሮ ፡ ዘነፍስ ፡ መንኖተ ዓለም ፡ ተመስጦ ፡ መክሊት ፡ ዘመንፈስ ቅዱስ ፡ ፍቕሪ!

Последний пост
7 авг.
Последнее чтение
13 авг.
Постов за неделю
0
Всего постов
20
Тип
открытый
Язык
ti
В каталоге с
13 авг.
Подписчики
588
+1 Са 2 дн.
Сутки
0
0,00%
Неделя
—
 
Месяц
—
 
Просмотров на пост
458
18 постов
Вовлечённость
77,9%
к подписчикам
Постов в день
0,0
всогО 20
УпОПинаниК
0
канаНОв
Охват размещения
оценка
1/24сутки в ленте
272
1/48двое суток
311
1/72трое суток
336

Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.

Посты

  • . ' ውሉድ እግዚኣብሄር ተብሂልና ምእንቲ ኽንፅዋዕ፥ እግዚኣብሄር ኣብ፥ #ከመይ_ዝበለ_ፍቕሪ ኸም ዝሃበና እስኪ ረአዩ! ውሉድ እግዚኣብሄርውን ኢና። ... ' 1ይ ዮሃ 3፥1፤ ግጥሚ(#ጸሎት) 142፤ #ምጉዳል_ንምልኣት! ኵሉ እቲ ናትኻ ዘለካ ጥሪትኻ ምስ ሃብኻኒ ንዓይ ፡ ሓንቲ ከየቕረኻ ኣነ ግን መቒለ ፡ ንባዕለይ ኣትሪፈ ኣብ ኢደይ ሓቢአ ፡ ንድሕሪት ዓፂፈ ኻልአይታ ኣርእየካ ካብ ፍቕሪ ጐዲለ ፡ ፍርቝ ኣቕሪበልኻ ! ኣነ ንጐይታይ ፡— ምስኣን ናፊቐ ፡ ባዶነት ሃሪፈ ብጸሎት ቕድሜኻ ፡ ኣብራኸይ ዓፂፈ “ ጐይታይ ኣን’እሰኒ ምንም ከየትረፍኻ ፡ ኵሉ ኣስ’እነኒ ውሽጠይ ኣጉድለለይ ባዶ ግበረኒ ፡ ምንም ዘይብለይ !” ኢለ ነገርኽዎ ልመናይ ሀብዅዎ ! ንሱ ጐይታይ ፡— ግዜ ከይወሰደ ፍቕሩ ከየውሓደ ‘ታይ ከጉድለልኻ ?’ ኢሉ ሓተተኒ ቓለይ እናተፀበየ ፡ ኸም ዘይፈልጥ ኸም ዘይፈልጠኒ ! ኣነ ድማ ፡— ክክሕድ ክርስዕ ፡ ርእሰ ኣነነተይ ሓንቲ እያ ልመናይ ፡ ንሳ እየ ድሌተይ ብዓይኒ ርግቢት ፡ ዓይኑ ረኣእዎ ‘ዓለምን ኣብ ዓለም ዘለዉ’ ኵላቶም በልኽዎ! ጐይታይ ድማ ፡— ኸም ልማዱ ፍሽኽ በለ ፡ ኾነ ከም ፍቓዱ ገፁ ኣብርሀለይ ፡ ካብ ትሓትናኡ ዝተልዓለ ኸም ቓለይ ኣጉደለኒ ፡ ጸሎተይ ተቐበለ ! ኣነ ፡— ምስ ጐደልዅ ኵሉ ምስ ሰኣንኵ ለለ ፅንሕ ደቓይቕ ኣንውሕ ፍፁም ከየበልዅ ዳግማይ ለመንኽዎ ኸምዚ እናበልኵ ፡— ‘ኸምታ ዘጉደልኻኒ ፡ ምንም ዘቕረኻኒ ደጊምኻ ምልኣኒ ፡ ሓንቲ ከየጉደልኻ ኵሉ ወስኸኒ!’ ምልኣኒ ... ምልኣኒ ... ምልኣኒ ፡ ምልኣኒ ኢለ ኣስማዕኽዎ ፡ ኻሊእ ቓል ልመና ምንም ኸይሓፈርኵ ፡ ኾይነ ምስ ብልቦና ! ጐይታይ ሰማዒ ጸሎተይ ፡— ሕዝውን ደጊሙ ፡ ኸይለወጠ ገፁ ብፍቕሪ መለሰለይ ፡ ኣስመዐኒ ድምፁ ‘ታይ ኢኻ ትደሊ ፡ ንክውስኸልኻ ? ካብ ዘለኒ ኵሉ ፡ ፍፁም ክመልአልካ ? ’ ኣነ ፡— ‘ሥሉሳዊት ህይወትኻ ምልኣት መለኮታዊት ፍቕርኻ! ‘ በልዅ ፡ ቓላት ኸየንዋሕዅ ንምቕባል ኣእዳወይ እናዘርጋሕዅ! ጐይታይ ፡— ኣይተናገረን ቓላት ኣየውፀአን ኣእዳወይ ሓሊፉ ፡ ፍፁም ቐረበኒ ምሳየ ጠቢቝ ፡ ልበይ መልአኒ ብደገ ብውሽጠይ ፡ ነፍሰይ ወሓጠኒ ኣበይ ኸመይ ኸምዘለኵ ክሳዕ ዝጠፍአኒ ! ዓብዪ ፀጥታ ኾነ ብዙይ ህልዉና ፡ ብኣግራሞት ሃኒነ ! ከም እዙይ ? ኽንዲ እዙይ ? ኢኻ ተፍቕረኒ ? ብዙይ ሓይሊ ፍቕሪ ክተፍቕረኒ ኸመይ ይግበአኒ ? ንግብሪ ኣእዳው ፡ ንኵሎም ፍጥረታት ዘፍቕሮም መጠን ፡ ናይ ፍቕሩ ምልኣት ምስ ተሰመዐትኒ ፡ ዕምቖታ ቍመታ ዘይወዳደር ዕቤት ፡ ግፍሓት ንውሓታ ዘይግድቦ ንብዓት ፡ ኣውሓዛ ኣዒንተይ ልዕሊ ፍልጠት ርእያ ፡ ተገረመት ነፍሰይ ! ብመለኮታዊ ራእያት ፡ ኣዕፅምተይ መኺኮም ሕድሕድ ዋህዮታተይ ፡ ፍቕሪ ተሰምዖም ! ፍቱው ተረኺቡ ፍቕሩ ምስ ጠዓምዅ ነፍሰይ እትፎትዮ ልበይ ምስ ኣእተዅ ብኣድናቖት ቖይመ ፡ ኣቋረፅኵ ጸሎት ልመና ሰኣንኵ ፡ ተወዲኡ ድልየት! ፍቕሩ ኾነትኒ በቓይ ንዘልዓለም ! ኵሉ እንደልዮን ዘድልየናን ነገር ፡ ንሱ ‘ #ፍቕሪን_ፍቕርን’ ጥራሕ እዩ። 'ምእንቲ እዙይውን፥ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘለዉ ዅሎም፥ ኣቦ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ኣብ፥ እምብርከኽ ኣለኹ። ከምቲ ብዝሒ ኽብሩ፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንውሽጣዊ ሰብነትኩም፥ ብሓይሊ ምእንቲ ኸበርትዐኩም #እፅሊ_ኣለኹ። ክርስቶስ፥ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፥ ኣብ ፍቕሪ ሹር ክትሰዱን ክትምስረቱን፥ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ኴንኩምውን፥ #እቲ_ናይ_ክርስቶስ_ፍቕሪ ምግፋሑን፥ ምንዋሑን፥ ምዕማቑን፥ ቁመቱን፥ ክንደይ ዝኣክል ምዃኑ ምስትውዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ነታ #ልዕሊ_ፍልጠት ዝኾነት #ፍቕሪ_ክርስቶስ ድማ ኽትፈልጥዋ፥ #ክሳዕ_ኵሉ_ምልኣት_እግዚኣብሄር ከዓ፥ ምእንቲ ኽትመልኡ እፅሊ ኣለኹ። ' ኤፌ 3፡14-19፤ ብኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ ሓምለ 14 - 16 / 2018 ዓ.ም. .

  • 6 авг.171251иС Orthodox_poetry

    . #109 #ፍልሰተይ! መንፈስ ቅዱስ ክወርደኒ ሓይሊ ልዑል ውን ክፅልለኒ ፍረ ማህፀንኺ ፡ ፍረ ህይወተይ ኾይኑ ኣብ ልበይ ክውለድ ፡ ንዓየ ኣድሒኑ ንርእሰይ ክሒደ ፡ መስቀለይ ክሽከም ካብ ሥጋ ወፂአ ፡ ብመንፈስ ክእለም ንሓጥእ ወድኺ(ንዓይ) ፡ ብፀሎት ዘክሪ ኣብ ጊዜ ፍልሰትኺ ፡ ፍልሰተይ ግበሪ ! ኽብሪ ንእግዚአብሔር ! ብኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤ ዓርቢ 01 / 12 / 2017 ዓ.ም. .

  • Channel photo updated

  • . ምልኵዕ ንዝኾነ ክርስቶስ ዝኣምንን ዘፍቅርን ሰብ ፡ ውልደቱን ህይወቱን ክረግምን ኽፀልእን ኣይኽእልን። ግጥሚ 141            #ውልደተይ_ባሪኸ! ዋላ ብዙይ ኵነት ስቕያት ናይ ዓለም ፡ መከራ ጦርነት ልደተይ ባሪኸ ፡ ኣመስጊነ ስምኻ ሓላፊ ሓሊፈ ፡ ርእየ ህያባትኻ ! ክርስቶስ ልደተይ ሓዱሽ ፍጥረተይ እንኳዕ ፈጠርኻኒ ፡ ህላወ ሃብኻኒ መልኽዕን ምስልኻን ፡ እንኳዕ ዓደልኻኒ ብሕያዋይነትኻ ፡ ዘልዓለም ፍቕርኻ ተርእየ ምፍጣረይ ፡ #ሕጉስ_እየ ብኣኻ !                                ምእማነይ ንዓኻ ! " እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ #የመና_ፅቡቕ_ነበረ።" ዘፍ 1፥31፤                   ኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤                          ሓምለ 29/ 2018 ዓ.ም. .

  • . ወንጌል ዘዮሐንስ ምዕራፍ 4፤ ግጥሚ #140 #ደልዩ_ስታይኡ! ንስኻ ከለኻ ፡ ዝፀምአካ ኣስትየኒ ዝበልኻ ፡ ማየይ ከስትየካ ‘ታማ ተገልቢጥኻ ፡ ማይ ህይወት ስተይ ኢልኻ ትነግረኒ ፥ ኽቝረፅ ፅምኣተይ ? ፀሚአ ዝበለስ ፡ ለካስ ይፅማእ እዩ ማይ ተረኺቡ ብሰብ ፡ እስካብ ዝስተይ ማይ ህይወት ባዕሉ ፡ ናባየ መፂኡ ክስተይ ናፊቝ ፡ ደልዩ ስታይኡ! ስተየኒ እናበለ ፡ ቐራንዮ ወፂኡ ናባይ ውሒዙ ፡ ፅምአይ ተፀሚኡ ! ተባረኽ ኢየሱስ ፡ ፅሙእ ማይ ህይወተይ! ክርስቶስ ይደልየካ እዩ እሞ ፥ ድለዮ። ኸምቲ ንሕና ንመንፈሳውያን ፍረታት እንደልየን ፥ መንፈሳውያን ፍረታት እውን ንደላይአን ይደልያ እየን። ሰብነትና ንእግዚአብሔርን ንመንፈስ ቅዱስን ኸም ዝደሊ ፡ እግዚአብሔርን መንፈስ ቅዱስን እውን ንሰብነትና ይደልዮ እዩ። ኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ 26 / 11 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ግጥሚ 139፤ #ብመን_ከፍቕረኺ? ብመን ከፍቅረኪ እንታይ ትፅበዪ ? ኸመይ ክፎትየኪ ኸመይ ኢኺ ትደልዪ ? . . . #ብሰብኣዊነተይ ብስጋ ብደመይ ብውሱን ፍጥረተይ በቲ ዝፈራርስ ሸኽላ ሰብነተይ ኣነ ተፍቒረኪ ካባይ ተፎትየኪ ሓጐስ ኣይትርኢን ፅድቒ ኣይረኽበክን ! ! #ብቲ_ኣነነተይ ንዓይ ጥራሕ ዝብል ጥቕሙ ብዘቐድም ብሙቸተይ ርእየ ንዓይ ብዝሓልም ዓርሰይ ተሂበኪ ውሽጠይ ተኣትየኪ ሲኦል ትዝክሪ ኣብ ፀላም ትነብሪ ! #ኸምቲ_ስምዒተይ #ሥጋዊ_ፍትወተይ ብድሌት ዓይነይ ብትምኒቱ ውሽጠይ ጥራሕ ተሪአኺ ብኣእምሮ ብልበይ ፍፁም እናኸሰርኺ ጥቕሚ ኢኺ ትኾኒ ንህይወት ፀሊእኺ ህላወ(መንነት) ትስእኒ ! ጥቕሚ ኢኺ ትኾኒ ጥቕሚ ሓደ ኣነ ወትሩ ተጐዳኢት ድሕነት ዝሰኣነ ! #ብዓለማውነተይ ህይወት ናይ ዘለዓለም ምንም ኸይሓሰብዅ ልበይ ከየእተኵ(ቓሉ) ርእሰይ ኸየፍቐርኵ ጥፉእ በጊዕ ኾይነ(ሲኦላዊ ጉዕዞ) እናተንኸራተትኵ ማእኸል ርሑቕ ዓዲ ኣብ ስደት ‘ከለኵ ኣፍቒረኺ ‘ንተይለ ኸምቲ ናተይ ገይረ መዓዝ ፍቕሪ ኾይኑ ብሓጢኣት ሰኺረ! ኣረሲዐ ኣምላኽ ክመላልአኪ ብቓላት ጠቢረ ?! . . . ብቅዱስ ትሕትና ብምእዛዝ መንፈስ ብመድሕናዊ ርእሲ ብፍርሓት ምቕዳስ ቤዛነት ብዝህብ መስዋዕታዊ ፍቕሪ ሓፂቡ ኣፅርዩ መንነት መኽበሪ ... በቲ ውሽጠይ ዘሎ ቅኒት መንፈስ ቅዱስ ብዝተሰቐለልኺ ጐይታ ብዓይኒ ክርስቶስ ከም ፍቓድ ኣቦ ገይረ ብሰማያዊ ፍቕሪ ተፍቒረኺ ግና ብናማን ትኸብሪ ብርሃን እናረኣኺ መንግሥቱ ትነብሪ ! ብዝመለአትኒ ፍቕሪ ኣብ ልበይ ብዘላ ብዘልዓለማዊ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ቐፂላ ብክርስቶስ ፍቕሪ ኸም ኢየሱስ ገይረ ተፍቕረኪ ኣነ ንርእሰይ(ለ) ኣኽቢረ! . . . ንርእሳ ኸም ርእሳ ኣብሊፃ ፡ ቐዲማ ኣንጊሳ ኸም ተፍቕሮ ገይሩ ፡ ኣዳም ምስ ኣፍቐራ ወፂኣ ካብ ገነተ ፡ ሪኣቶ መከራ ! ምስ ሞከርዎ እዩ ፡ ንኣምላክ ኣውፂኦም ዝተኻሰሱ ፡ ዅሉ ተመንጢሎም ፡ ጐሳቝላ ነፍሶም! ተፈቒረ ኣይትበሊ ልቢ ተመሊእኺ ብመን ኸም ዝኾነ(ብባዕሉ ድዩ ብኣምላዅ) ምንም ከይፈለጥኺ ተደላይት ተርኣይት ኣብ ሙዃን ኣይኾነን ክብሪ ፍቕሪ ዘሎ ብሓቒ ዝምዘን ! ናማን ኣቕመ ሔዋን ፡ ምስ በፅሐ መጠንኺ ጥቓ ዕፀ በለስ ቖይምኺ ፡ ሕጉ እናጠሓስኺ ‘ ብሞተይ! ብፍቕረይ! ምእንታይ!’ ፡ ኾልስ ክትብልኒ ፍቕርኺ ኸብልፅ ፡ ዲኺ ትመኽርኒ ? ምረፂ ፡ እሞ ንስኺለ ብመን ኸፍቕረኺ ፡ መኒኦም ኣኺለ ብኣዳማውነት ዶ ብክርስቶሳውነት ብዓለማውነት ዶስ ብመንፈሳውነት ኸምቲ ባዕለይ ወይ ኸም ገዛእ ርእስኺ ወይስ ከም ክርስቶስ ገይረ ፡ ኣነ ክፍቕረኺ ? ኸመይ ይሕሸኺ ፡ በሊ ንገርኒ ኸመይ ኸፍቕረኺ ፡ ቓልኺ ኣስምዕኒ ብኽልቴና ጥራሕ ዶ ፥ ጥቓ ዕፀ በለስ ወይስ ኣብ ጎቦ ቐራንዮ ፥ ብምስሊ ክርስቶስ ?! ኸመይ ከፍቕረኺ ? ብመን ከፍቕረኺ ? ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 3፤ Vs ኤፌሶን ምዕራፍ 5፤ ብኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ ሰነ 08 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ግጥሚ #138 #ሰማዕታት_ቅዱሳን! ዕብ 12፥1-4፤ ነቲ ዝኸብደኒ ተሎ ዝጠብቐኒ ሸኽሚ ሓጢኣተይ ኣርሒቐ ብጐይታይ ክቓለሳ ዓለም ፡ ብትዕግስቲ ፀኒዐ ደም እስካብ ምፍሳስ ፡ ክጒዪ በርቲዐ .... ቅድመይ ዘሎ ርእየ ፡ እቲ ድልዉ ሓጐስ መከራ ናይ ሓጥኣን ፡ ሞት መስቐል ክዕገስ ብእምነት ኸይደክም ፡ ከይቖርፅ ተስፋ ክርስቶስ ጠሚተ ፡ ህይወተይ ከትርፋ .... ተጎናፂፎም ብርሃን ፡ ፃዕዳ ተኸዲኖም ምዑዝ እንዳመዓዙ ፡ ኣክሊሎም ደፊኦም መሰኻኽር ክርስቶስ ፡ ዙርያይ ኸም ደመና ኸቢቦም ይብሉኒ ፡ ንዓ! ቐልጥፍ ኣርክበና ! ጀማሪን ፈጻሚን ፡ እምነትና ዝኾነ ነቲ ዝነገሠ(የማነ አብ) ፡ ክጥምት ኣሚነ ኸምኡ(ከም ክርስቶስ) ንኽፀንዕ ፡ የበረታቱዕኒ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ፡ ኣዮኻ ይብሉኒ ኸምኦም(ዕብ 11፤) ንኽፀንዕ ፡ የበረታቱዕኒ ኣብ ቕድሚ ኣዒንተይ ፡ ሕልዉልዉ ይብሉኒ! ' #ምስክራትካ_ዘደንቑ እዮም፤ ስለዙይ #ነፍሰይ_ትደልዮም።' መዝ 119፥129፤ ብኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤ ሓምለ 13 / 2018 ዓ.ም. .

  • 21 июл.371163иС frezzerDN

    🎚#ይኩሕኹሕ_ኣለኹ መዓዝ ጥራሕ ኮይንካ?     ንስኻ በይንኻ? "አብ አፍደገ ቆይመ            ፍቕሪ ተሸኪመ   ብብርቱዕ ናፍቖት እናተዳሃኹ    ...ይኹሕኹሕ ኣለኹ... . . ናብ ቃለይ ንዘድህብ ድምፀይ ንዝሰምዕ ምስኡ ክድረር እየ መኣዲ ክሰርዕ      እትብል ... ትናገር ... ትደሊ ትናፍቕ ምሳኻ ክበልዕ አነ'ውን . .. ኣነ በዓል ማዕፆ      ነቲ ቑልፊ ሒዘ ውሽጢ ዝሰፈርኩ ምእንቲ ክኸፍቶ'ስ     ናብ ገፅ ቲ'ኣፍደገ ይኩሕኹሕ አለኹ መዓዝ ጥራሕ ኮይንኻ ? ንስኻ በይንኻ ,,,, ? "ፍትውተይ ርግቢተይ          ኦ! መደምደሚተይ    እቲ ርእሰይ ብጠሊ    ጎተናይ ብኣውሊ ጠልቅዩ ኣሎሞ ንዒ ክፈትኒ ገዛኺ ኣእትውኒ ፍቕሪ ኣስትይኒ       ቀምሽኪ ግበሪ ፥ ምፂ ተላዒልኪ      ካብ ፅሬት እግርኺ ፥ ኣነ ይዓብየኪ ትብል ... እትደሀ ...  (መኃ 5፥2-7) አነ ውን አብ ውሽጠይ                     ሥዉር አነነተይ     አብ መዓሙቕ ኮይነ                 አብ ታቦት ፅላተይ                ... መሰውኢ ልበይ ነቲ ቑልፊ ሒዘ         ኣብ ውሽጠይ ዝሰፈርኩ መታን ክኸፍተካ ...             ይኹሕኹሕ ኣለኹ "ኣነ #ደቂሰ እየ ፥ ልበይ ግን #ነቒሑ" ከመይ ኢለ ተሲአ ፥ ማዕፆ ቤተይ ከርኁ?         (መኃ 5፥2) ወልደ ማርያም ሥግው                 ወልደ ኣብ መድሓኒ ኣካፍታ ማዕፆ      ከመይ ከምዝኾነ ስለዝጠፍኣኒ ክዓፅዎ ከለኹ      ከምቲ ዝነበሮ ስለዘይፀንሓኒ ... መታን ክኸፍተኻስ .. ቅድም ክፈተኒ         ✍ 14/11/2018 ዓ.ም

  • . 😭😢 ብሃይማኖት 'ተሃሊኵም ፡ ዓርስኵም መርምሩ ? 🧐🤔 .

  • . ግጥሚ #137 #ንዅእ_! (ምስ ነኽአትኒ...) ኣብ ዓለም ብዘሎ ምምላእ እስካብ ዘይከኣሎ ፅምኢ ይፀምአኒ ፡ ጥሜት ይጠምየኒ ውሽጠይ ባዶ ኾይኑ ፡ ነፍሰይ ትጐድለኒ .... እናሰላሰልኵ ኸምዙይ እናሃለዅ ...... ቓልኻ እንትዝክር ኵሉ ናተይ ይኾን ፡ ምሳኻ ይሓድር ምንምነተይ ብቕፅበት ፡ ክትመልእ ይርእያ ምስ ነኽአትኒ ፍቕሪ ፡ ኣብ ልቦናይ ኣትያ ! #ትንካእዅም! ኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤ ሓምለ 06 / 2018 ዓ.ም. 2ይ ቆሮ 6፥8-10፤ ‘ብክፉእ ወረን ብጽቡቕ ወረን ርእስና ነርእይ ኣሎና፤ መታለልቲ ክንበሃል ከለና #እሙናት ኢና፤ ዘይፍሉጣት ክንበሃል ከለና #ፍሉጣት ኢና፤ እንመውት ክንመስል ከለና እንሆ #ህያዋን ኢና፤ ዝተቐጻዕና ክንከውን ከለና #ኣይንቕተልን፤ ሓዘንተኛታት ክንከውን ከለና #ኵሉ_ግዜ_ሕጉሳት ኢና፤ ድኻታት ክንከውን ከለና ንብዙሓት #ሃብታማት ንገብር፤ ገለ እኳ ዘይብልና ክንከውን ከለና #ኵሉ_ናትና_እዩ።’ .

  • . “ I saw the snares of the devil spread-out over the earth and I groaned and said, ‘Who can escape them?’ I heard a voice say, — ‘Humility.’ — ” — Saint Anthony of Egypt. IN Paradise there are many Saints who never gave alms on earth: their poverty justified them. There are many Saints who never mortified their bodies by fasting, or wearing hair shirts: their bodily infirmities excused them. There are many Saints too who were not virgins: their vocation was otherwise. But in Paradise #there_is_no_Saint who was #not_humble. 🙁😔 .

  • Channel photo updated

  • . ግጥሚ #136 #ብዘይ_ዓርሰይ! ሰብ ኸም ዝሓስቦ ፡ ኸምቲ ዝምነዮ ክኾን(ኵሉ) ምተፈቕደ ፡ ዓለም ምቓነዮ ኻብዙይ ዝገደደ ፡ ሕውስውስ ምበለት ዓለምና ምድርና ፡ መልክዕ ምሰኣነት ! ብዘይካ ንስኻ ፡ መንገዲ መስቐልኻ ብዘይ መለኾታዊ ኣፃብዕ ፡ እቲ ቅዱስ መንፈስኻ ርእሰይ ናብ ጥፍኣት ፡ ብሞት’የ ዝመርሓ ሠናይ(ፅቡቕ) መሲሉኒ ፡ ናብ ብርሰት ዘብፅሓ ! ወዮ . . . . . ኣነ ስፉር ሓመድ ፡ ቝንጣር ጭቓ ምድሪ ህይወታዊት እስትንፋስ ፡ ዝሃብኻኒ ኽብሪ ርእሰይ ምስ ኣልዓልኵ ፡ ጥሒሰ ፍቕርኻ ውሽጠይ ሲኦል ኾይኑ ፡ ስኢነ ሕብረትኻ(ሥሉሳዊ)! እቲ ሕዚ ዝርእዮ ፡ ቕድመይ ተዘርጊሑ ብዝተፈላለየ መልክዕ ፡ ክፍኣታት በዚሑ ሁኸታት ምድሪ ፡ ፅልግልግታ ዓለም ድንግርግር ምስፋኑ ፡ ተናዊፁ ሰላም . . . . ብበይነይ ዝኾነ ፡ ንቲ ውሽጢ ጓዳይ ፍቓዳት ኣእምሮ ፡ ስምዒት ልቦናይ ነፀብራቕ ገፅታይ እዩ ፡ መልክዐይ ትርኢተይ ካብ ኣምላኽ ርሒቓ ፡ ንምውዳቓ ነፍሰይ ! ግብሪ ኣእዳወይ ኣትዩ ኣነነተይ ፡ ምስ ነኽኣ እዩ ዓለም ዝወደቐት ፡ ህይወታ ተዓፅዩ ሞታ ዝተግሃደ ፡ ሓዱሽነት በልዩ ፡ ቅድስና ቐርዩ ! በል ጣልቓ እቶ ፡ መንገደይ ቖሪፅኻ መሰል ዓርሰ ውሳነይ ፡ መሰለይ ገፊፍኻ ይቕረ ዜግነተይ ፡ ርእሳዊ ምሕደራይ ይመተር ፍቓደይ ፡ ናትኻ ክኾነለይ . . . . ብፍቕርኻ መስቐል ፡ ብቅዱስ መከራ ንባዕለይ ኣጥፊአ ፡ ንርእሰይ ከፍቕራ ! ብዘይ ጣልቓነተይ ፡ ብዘይ ፍቓድ ምርጫይ እቲ ዝሃብኻኒ ጸጋ ፡ ጥንታዊ መልክዐይ ሠናይ ፅቡቅ እዩ ፡ ንሱ እየ ዝደሊ ብዘይ ዓርሰይ ኾይነ ፡ ኣባኻ(ምእንቲ) ክህሊ ! መጀመርታ ኣልፋይ ፡ መብፅሒ ኦሜጋይ ምልኣት ሰብነት ፡ ኢየሱስ መድሕነይ ብዘይ ዓርሰይ ኾይነ ፡ ወትሩ ክርእየካ ናትኻ ፍቓድ ይኵን ፡ ትምጻእ መንግስትኻ ! 🔍 ‘ብዘይ እግዚኣብሔርሲ፥ ናብ ገዛእ ርእሰይ ጥፍኣት መራሒ ካብ ምዃን ሓሊፈ ኣነ እንታይ እሞ ክኸውን እኽእል ? — Without God what am I but a guide to my own destruction.’ - St Augustine. ብኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ ሰነ 30 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ግጥሚ #135 #ቲኦሎጂያን! እዝኒ ዘይሰምዖ ፡ ዓይኒ ዘይረኣዮ ልቢ ሰብ ዘይሓሰቦ ፡ ጐይታ ዘዳለዮ ቅድሚ ዘመን ዘሎ ፡ እቲ ሥውር ምሥጢር መንፈሱ ‘ተዘይ ገሊፁልና ፡ ጥበብ እግዚአብሔር ... እቲ መዓሙቕ ባሕሪ ፡ ሥነ መለኮትኻ ጐይታይ ፍፁም ባሕርይኻ ፡ ቅዱስ መንነትኻ ተምሂሩ ዝውድኦ ፡ ልብኻ ዝመርምሮ መን ኾን እዩ ንሱ ፡ ገሊፁ ዘምህሮ ? ! ካብ ኢምንት ዝመፀ ፡ እቲ ሥጋዊ ሰብስ ካባኻ ተወፂኡ ፡ ናብ መሬት ዝምለስ ኣምላኽ ክንፈልጥ ፡ ምስልኻ ክንነብር #ዘልዓለማዊነት’ዩ ዘድልዮ ፥ ምሳኻ ክንሓብር ! 2ይ ቆሮ 2፥14-17፤ ‘ ግና ነቲ ብክርስቶስ ገይሩ፥ ኵልሻዕ ናብ ዓወት ዝመርሐና፥ ብኣና ገይሩውን ክርስቶስ ከም ዝፍለጥ ንምግባር፥ ከም ጥዑም መዓዛ ኣብ ኵሉ ቦታ ንዝገልፅ እግዚኣብሄር፥ #ምስጋና_ይኹኖ። ኣብ ማእኸል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መዓዛ ክርስቶስ ኢናሞ። ነዚኣቶም፥ ካብ ሞት ናብ ሞት ዘብፅሕ መዓዛ፥ ነቲኣቶም ከዓ፥ ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብፅሕ መዓዛ ኢና። ነዝ ነገርዙይ #ብቑዕ_እየ_ዝብልከ መን ኣሎ? ብእግዚኣብሄር ተልኢኽና፥ ብቕንዕና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ኴንና፥ ንዛረብ ኣለና እምበር፥ ከምቶም ብዙሓት፥ ብቓል እግዚኣብሄር ዝነግዱ ኣይኮንናን። ‘ ኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ ቀዳም 20 / 10 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ግጥሚ #134 #ምሕረት! ህይወት ዕድል እያ ምርኣይ ነዛ ሰዓት ሓጥእ እናሃለኻ ተሻጊርኻ ንሞት ኸም በደልና'ማ ኸም በዝሒ ሓጢኣትና ተወሊድና ምሞትና ጊዜ ምሰኣንና ! ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ኣብ ሓደ መዓልቲ መሓሩ ዝበለ ኾይንኵም ኣፍቐርቲ ብዘይ ቍፅሪ እዩ ብዘይ ምጠን በዝሒ ዕድል(ምሕረት) ዝህበና ብዘይ ምንም ጒርሒ ! ! ! ወዱ ዶ ምሞተ ? ፍቍሩ ኽቡሩ መፂኡ ናብ ዓለም #ሓጥእ ተቆፂሩ ምኣተየ ዶ ንሱ ? መቓብር ናብ ሲኦል ንዓየ ንከድሕን 'ተዘይህበኒ ዕድል ! ! ! ኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ተመስገን ዕድል(ኢየሱስ) ዝሃብኻና ፥ እግዚአብሔር ዕድልና ! .

  • . ግጥሚ #133 #መንገደይ! ብዘይ ቅድመ ኵነት ብቅዱስ ፍቓድኻ ፈጢርኻኒ ኢኻ’ሞ ብመልክዕ ምስልኻ ዘእተኻኒ ቤተሰብ ዝተወለድኵሉ ዘመን ኣይተጋገኻን’ሞ ዘንበርኻኒ ዓድን ቦታን ....... ኣይተረድአንን እቲ ካባይ ትደልዮ እትምነየለይ ኾይነ ክትርእዮ ? ? ? 'ኦ ጐይታ፥ #መንገድኻ_ኣመልክተኒ፤ #ኣሰርካውን_መሃረኒ። ንስኻ ናይ ምድሓነይ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፥ #ብሓቅኻ_ምርሐኒ፤ መሃረኒውን፤ ኵልሻዕ ኣባኻ ተስፋ እገብር ኣለኹ።' መዝ 25፥4-5፤ ኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ 03 / 10 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ' ኢየሱስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ #መንግስተይ_ካብዛ_ዓለም እዚኣ እንተ እትኸውንስ፥ ናብ ኣይሁድ ከይወሃብ፥ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን” ኢሉ መለሰ። ' ዮሃ 18፥36፤ / 1ይ ዮሃ2፥15-17፤ ባንድ ማለት ፡ ‘ኸሓዲ’ ፥ ‘ቍጻር’ ፥ ንሀገሩን ንወገኑን ኸይኾነስ ጸላኢ ኢሎም ንዝሓስብዎ ዘገልግል ‘ኣገልጋሊ ጸላኢ’ ንዝኾነ ሰብ ዝውክል ቃል እዩ። ግጥሚ #132 #ሓደ_ባንዳ! #እስራኤል! ዘፍ 11 - 22፤ ኸም በዝሒ(ቍፅሪ) መራሕቶም ሓነፅቲ ህንጻታት ፥ ላዕለዎት ሓለቕቶም ሕውስውስ ኣቢሉ ፥ ንዝበታተኖም ንዝፈላለዮም ነቲ #ሓያል_ኣምላኽ ፥ ኸም ፀላኢ ርእዮም ... ኣብርሃም ሀገሩ ፥ ቤተሰብ ዘመዱ ሓዲጉ ንድሕሪት ፥ እንተቕንዕ መንገዱ ዘይግደስ ዜጋ ፥ ጠላሚ ብሔሩ ባንዳ ኢሎሞ ነይሮም ፥ ኣምላኽ ብምኽባሩ! ቋንቋ መንነቶም ፡ ምድራዊ ኽልሎም ንባህሊ ዝነብሩ ፥ ሃይማኖት ቐቢሮም ወዮ ኣፍቐርቲ ብሔር ፥ ሰብ ከተማ ሰብ ዓዲ ሓወልቲ ጨው ኾይኖም ፥ ቀርዮም ኣብ መንገዲ እቲ ሓደ ባንዳ ግና ፥ ካብ መኻን ሰበይቱ ዘይ’ቍፀር(ሓሸዋ ፡ ኾኸብ) ኾይኑ ፥ ሀገሩ መሥሪቱ ! ሰብ ንቦታ ኣይኾነን ፥ ተወሲኑ ዝኽለል ዝሕፀር ዓርሱ ዓለም እምበር ፥ ዘይውሰን ዙፋን መንበር ኣምላኽ ዝፀውዖ ፥ ምድራዊ ሓዲጉ ፡ መንግስቱ ክቕድስ ኸም ጓና ዝነብር ፥ ሰማይ እዩ ዓዱ ፡ ሰማያት ዝፈልስ ! ኣይሽንኳን ንክልል ፥ ንገጠር ንመንደር ንዓለምውን ባንዳ ኢና ፥ ፍፁም ዘይንሓብር ካብ ዓለም ኣይኾንና ፥ ኸም ዓለም 'ንነብር ! ኣይሽንኳን ንማሕበር ፥ ንእኵብ ሓሳብ ሰባት ንርእስና ክሒድና ኢና ፥ ሰቒልና ክንሞት! በዝሒ ድምጺ ኣይኾነን ፥ ሓቒ ዝውስና ኸም ኣምላኽ ነቢርና ፥ ነፍስና ነድሕና ! ባንዳ እዩ ክርስቲያን ፥ ዘይውሰን ብብሔር ፡ ዘርኢ ፡ ቋንቋ ፡ ባህሊ ባንዳ ዓለም ፥ ባንዳ ሓጢኣት ምፍልላላይ'ዩ ፥ ኣብ ምድሪ እንትህሊ! ቋንቋኡ ኢየሱስ ፥ ባህሉውን ክርስቶስ መሕደሪ ብሔሩ ፥ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ብቄሳራት ዝተሰቕለ(ኢየሱስ) ፥ ንሱ እዩ ሕይወቱ ክርስቲያን ሰማያዊ 'ዩ ፥ ክርስቶስ መንግሥቱ ! ኦ ጐይታ እታ ህያውን ቅድስትን መንግስትኻ ናብ ምድሪ ትምጻእ ፥ መንግሥትታት ዓለም ኵሉ ይሰዓሩ ፥ ሰብ ኵሉውን ይድሓን ፥ #ብዘይ_ንስኻ_ኻሊእ_ንጉሥ የብልናን እሞ! ኣሜን! ' ኣብርሃም ምስ ተፀውዐ፥ ብእምነት ተኣዘዘ፤ ናበይ ከም ዝኸይድ እንተይፈለጠውን፥ ናብቲ ርስቲ ኽቕበለሉ ዘለዎ ሃገር ከደ። ነታ #እግዚኣብሄር_ዝሓናፂኣን_ዝሰራሒኣን፥ #መሰረት_ዘለዋ_ኸተማ_ይፅበ ሾለ ዝነበረ ድማ፥ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ፥ #ከም_ጓና_ኾይኑ_ተቐመጠ፤ ምስቶም ናይዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ዝኾኑ ይስሓቅን ያእቆብን ከዓ፥ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። ' ዕብ 11፥8-10፤ ኣቤል ትኵእ ኣብርሃ፤ 26 / 09 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ግጥሚ #131 #ዓሠርተ! ኣብ ኢየሩሳሌም ፥ ሀገረ ሰላመይ ፅዮን ተፀጊዐ ፥ ቅድስቲ ከተማይ ይፅበ ካብ ኣርያም ፥ ሓይሊ ቅዱስ ተስፋ መንፈስኻ ኽምላእ ፥ ንነፍሰይ ከዕርፋ ! ሃዋ 1፥5፤ ድሕሪ ዓሠርተ መዓልቲ ፥ ኣብ ባቢሎን በሪ ምስፈተኑ ዓርሶም ፥ ሓዲጎም ናይ ምድሪ ገፆም በሪሁ ተርኣየ ፥ ፀቢቝ ሰብነቶም - ዳን 1፥8-16፤ ምግቢ ንጉሥ ካብ ዝበልዑ ፥ ካብ ኵሎም በሊፆም ። ድሕሪ ስብከተ ዮሃንስ እቲ ክመፅእ ዝነበሮ ኤልያስ ርእየ መንበሪኻ ፥ ማስያስ(ረቢ) ረኺበኻ እስካብ ዓሠርተ ሰዓት ፥ ውዒለ ምሳኻ ! ዮሃ 1፥37-39፤ ክበፅሕ ምልዓትኻ ! ኣብ ዓስረይቲ ሰዓት ፥ መዓልቲ ስቕለትኻ ሞትኻ ምስ ተግሃደ ፥ ወፂኣ ነፍስኻ ሲኦል ተሃዊኻ ፥ ነፍሳት ተማሪኾም ወንጌል ተጋሂዱ ፥ ሰላም ተሰቢኾም ! 1ይ ጴጥ 3፥17-19፤ ኣነውን ዓሠርተ መዓልቲ ፥ ኣሥራተይ ምስ ሃብኵ ቓልኻ ተደጊፈ ፥ ተስፋኻ ረኸብኵ ! ዓሠርተ መዓልቲታት ፥ ድሕሪ ምፅባየይ ምልዓት መሊእኻኒ ፥ ሓዲስኻዮ ኽብረይ ! ዓሠርተ ጸጋታት ፥ ኣርኢኻያ ነፍሰይ ! ብኣቤል ትኩእ ኣብርሃ፤ ሰንበት 23 / 09 / 2018 ዓ.ም. .

  • . ' እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ #በቲ_ዝተውሃበና_መንፈስ_ቅዱስ፥ #ፍቕሪ_እግዚኣብሄር ኣብ ልብና #መሊኡ እዩ እሞ። ' ሮሜ 5፥5፤ 'እምበኣር ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም፥ ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፥ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ፥ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብሊፁ፥ #መንፈስ_ቅዱስ_ዘይህቦም!” ' ሉቃስ 11፥13፤ .

  • . " Blessed is the one whose treasure is #in_his_heart. Blessed is he who breathes the aroma of the Holy Spirit, and his whole being is mingled with this aroma. Blessed is he whose life is filled with the sweetness of our Lord.” — St. John Saba. ‘ እቲ መዝገቡ ኣብ ውሽጢ ልቡ ዝዀነ ሰብ ብፁዕ እዩ። እቲ #ናይ_መንፈስ_ቅዱስ_መዓዛ_ዘስተንፍስ፡ ኲለንትናኡ ድማ ምስዚ መዓዛ እዚ ዝተሓወሰ ሰብ ብፁዕ እዩ። እቲ ሕይወቱ #ብመቐረት_ጐይታና ዝተመልአ ሰብ ብፁዕ እዩ።’ — ቅዱስ ዮሓንስ ሳባ፤ .