ተዋሕዶ ርትዕት (ዘዳግም ቲዩብ)
Статистика ""ዘበመስቀሉ ተቀነወ ወበነቢያት ተሰብከ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ሰብሕዎ ኪያሁ ንሰብክ መድኅነ" 🙏"ሰናይ ግዜ"🙏
- Последний пост
- 13 авг.
- Последнее чтение
- 13 авг.
- Постов за неделю
- 4
- Всего постов
- 23
- Тип
- открытый
- Язык
- ti
- В каталоге с
- 13 авг.
- 1/24сутки в ленте
- 121
- 1/48двое суток
- 138
- 1/72трое суток
- 149
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
без подписи
እንኳዕ ንፅንሰታ ለማርያም - ነሓሰ 7 ብሰላም ኣብፀሓና/ኩም ❖ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ። ምስ ተወልደት’ውን ኣደ ኣምላኽ ከም ዝኾነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስከሩላ ኣደና እያ። ❖ብዛዕባ ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ነቢይ ኢሳይያስ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወፅእ በትር እምሥርወ እሤይ ወየዓርግ ጽጌ እምጕንዱ ካብ ጕንዲ እሤይ በትሪ ክትወፅእ ካብቲ ጕንዲ በትሪ ዕንባባ ጠጢዑ ክወፅእ እዩ” ተባሂሉ ተነጊሩ ነበረ። (ኢሳ. 11:1) ኣብዚ ብበትሪ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም ክትኸውን ከላ፣ ዕንባባ ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መጺኡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ካብኣ ምውላዱ ዘመልክት ትንቢት’ዩ። ❖እዛ ተስፋ ኣዳምን ንአምላኽ ከም እትወልድ ትንቢት ዝተነበዩላን ቅድስት ኣደ ትውልዳ ከመይ ከምዝኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ❖ጰጥሪቃን ቴክታን ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ኢየሩሳሌም ብሓድነት ይነብሩ ነበሩ። ንሳቶም ውን ንእግዚአብሔር ዝኣምኑን ዝተፈትዉን ቡሩኻት ፣ኣብ ቅድሚ ሰብን እግዚአብሔርን ብቑዓትን ብዙሕ ሃብቲ ዝነበሮምን ነበሩ። በጥሪቃ ብምድራዊ ሃብቱ ዝኸበረ ምግባሩ ዝጸበቐ ፡ ብሠናይ ግብሩ ኣብ ሃገሩ ዝፍለጥ፡ ንሕግታት ሙሴ ተጠንቒቁ ዝሕልው ጻድቅ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። ሰበይቱ ቴክታ’ውን ኣዝያ ጽብቕቲ፡ ብልባ ንእግዚአብሔር እትፈርሕ፡ ንሰብኣያ ከም ሳራ ጐይታይ ኢላ እትእዘዝ፡ ጥበብ ዝመልኣ ሰበይቲ እያ ዝነበረት።(ምሳ. 31፡10-) ሓደ መዓልቲ ጰጥሪቃ ኣብ ምድሪ ዝኸበረሉ ሃብቱ ኵሉ ጸብጺቡ ንሰበይቱ ‘እዚ ኵሉ ዝኣከብናዮ ሃብትና እንታይ ክንገብሮ ኢና፧ ዝወርስ ውላድ የብልናን ንስኺ መኻን ኣነ ከኣ ካልእ ሰበይቲ ኣይፈልጥን’ በላ። ንሳ ውን “ነቲ ኣምላከ እስራኤል ዝገብሮ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የለን፡ ካብ ካልእ ውለድ ከማይ ኣይትኩን” በለቶ። ንሱ ኸኣ ነዚ ኣይኮነን ክገብሮ ብልበይ ከም ዘይሓስቦ እግዚኣብሔር ምስክረይ እዩ።” ክብል መለሰላ። ❖ቴክታ ናብ ውሻጠ ኣቲያ ተንበርኪኻ ናብ አምላኻ ብብኽያት ኣምሪራ ጸለየት፡ “ናይ ኣቦታተይ ናይ ኣብርሃም ይስሓቅ ኣምላከ እስራኤል ንዅሉ ንስኻ ትፈልጥ” ኢላ ተኣመነት። ንጽባሒቱ ናብ ጰጥሪቃ መጺኣ “ትማሊ ብሕልመይ ፃዕዳ ምራኽ (ብተይ) ካብ ማኅፀነይ ክትወፅጽእ እታ ፃዕዳ ምራኽ ውን ፃዕዳ ምራኽ ክትወልድ ከምኡ እናበለ ክሳብ ሾብዓተ ትውልዲ ክዋለዳ፡ እታ ሻብዐይቲ ንወርሒ ክትወልድ፡ እታ ወርሒ ድማ ንፀሐይ ክትወልድ ረኣኹ” በለቶ። ንሱ ውን “እቲ ራእይ ጽቡቕ’ዩ” ኢሉ ናብ ሕልሚ ዝፈትሕ (ብሃይማኖት ዝበቅዐ ኣቦ) ከይዱ ዝበለቶ ኵሉ ነገሮ። እቲ ሕልሚ ዝፈትሕ ሰብ ድማ ‘እግዚአብሔር ብምሕረቱ ርእይኩም እዩ። እተን 7ተ ተነስትዮ ምራኻት ምውላድኩም 7ተ ኣዋልድ ዝውለዳ እየን፡ እታ ሻውዐይቲ ንወርሒ ምውላዳ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲ ዝኸበረት ብርኽቲ ፍጥረት ክትወልዱ ኢኹም ናይ ፀሐይ ነገር ግና ኣይፈለጥክዎን’ በሎም። ❖ኣብቲ ወርሓት ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ቴክታ ፀነሰት፣ ኣብ 9ይ ወርሒ ጓል ወለደት። ኣብ ሻሙናይ መዓልታ ድማ ስማ 'ሄኤሜን' ኢሎም ሰመይዋ። ሄኤሜን ማለት “ረከብኩ ስእለትየ/ ዝለመንክዎ ረኸብኩ" ማለት እዩ። ሄኤሜን ውን ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል ወለደት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ዴርዴ' ኢሎም ሰመይዋ። ዴርዴ ማለት ካብ ኣቦታትና ወገን ዝተወልደት ማለት እዩ። ዴርዴ ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ቶና' ኢሎም ሰመይዋ። ቶና ማለት ራእይ ርኢና ነገር ረኺብና ንዝወለድናያ ማለት እዩ። ቶና ውን ብሥርዓት ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሲካር' በልዋ። ሲካር ማለት ካብ ኣዝማድና ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሲካር ውን ዓበየት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት፣ ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሴትና' ኢሎም ጸውዕዋ። ሴትና ማለት ሥራሓ ዝጸበቐ፡ ግብራ ዝሠመረ ጽብቕቲ ማለት እዩ። ሴትና ውን ብሥርዓት ዓብያ ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሔርሜላ' ኢሎም ጸውዕዋ። ሔርሜላ ማለት ካብ ክቡራን ካብ ሃብታማት ወገን ዝተወልደት ማለት’ዩ። ሔርሜላ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት ኣመርዓውዋ ጓል’ውን ወለደት ብሻሙናይ መዓልቲ ስማ 'ሃና' ኢሎም ሰመይዋ። ሃና ማለት ብሃይማኖትን ግብርን ጽንዕቲ ብንጽሕና ብቅድስና ዝተሸለመት ቡርክት ክብርት ወልዕልት ፍጥረት ማለት እዩ። ናይ ኣዴና እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ትውልዲ ንምቝጻር ትንቢት ዝተነግረለን ሱባኤ ዝተቈጽረለን እዚኣተን ሸውዓተ ኣንስቲ እየን። ❖ሃና ውን ብስርዓት ዓቢያ ንኣካለ መጠን ምስ በጽሐት፡ ካብ ነገደ ይሁዳ ንዝተወልደ ክቡር ጻድቕ 'ኢያቄም' ኣመርዓውዋ። ሃናን ኢያቄምን ብሓደ ክነብሩ ውላድ ኣይነበሮምን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ውላድ ክህቦም ኵል ሳዕ ናብ እግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ብምኻድ ብሓባር “ወዲ እንተወለድና ሓሪሱ ኵዒቱ የብልዓና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር የገልግል፥ ጓል ውን እንተኾነት ማይ ቀዲሓ መሶበ ወርቅ ሰፍያ ተገልግለና ኣይንብልን ንቤተ እግዚአብሔር ተገልግል” ኢሎም ተማባጽዑ። ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ካህን ዘካርያስ’ውን ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ጸሎቶም ኣዕረገሎም፡ “እግዚአብሔር ጸሎትኩም ይስማዕ፣ መብጽዓኹም ይፈጸመልኩም” ክብል ጸለየሎም። ❖ ብሓዘን ተዋሒጦም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ኣዕሪፎም ከለዉ፡ ሀና ረጋቢት ምስ ደቀን ክጻወታ ዕፀዋት ዓምቢቦም ክፈርዩ ርኣየት እሞ “ጐይታ ንረጋቢት ብባህርያተን ከም ዝባዝሓ ዕፀዋት ብባህርያቶም ከም ዝዕንብቡ ከም ዝፈርዩ ከም ዝገበርካ፣ ንኣይ ደኣ ውላድ ዝከላእካኒ ተፈጥሮይ ካብ እምኒ’ዶ ኾይኑ እዩ” ኢላ ሓዘነት። በዚ ኣምሪሮም እናሓዘኑ ናብ ገዛኦም ምስ ኣተዉ “ወዲ ይኹን ጓል እንተወለድና ንቤተ እግዚአብሔር ይኹን።’’ ኢሎም ተመባጽዑ። ❖ዕለት 30 ሓምሌ፡ ሃና ንኢያቄም “ፀምር ክዕጥቑኻ፡ መቆምያኻ ዓብያ ፈርያ ኵሉ ፍጥረት ክምገባ ርእየ” በለቶ። ኢያቄም ድማ ንሃና፥ “ፃዕዳ ርግቢት ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ መጺኣ ኣብ ርእስኺ ክትዓልብ፤ ብየማናይ እዝንኺ ኣትያ ኣብ ማኅፀንኪ ኽትዓርፍ ርእየ” በላ። ጊዜ ይፍትሓዮ ኢሎም ብተስፋ እናተጸበዩ ፍቓድ እቲ ዝነገርዎ ዘይርስዕ ዝለመንዎ ዘይከልእ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኮይኑ ብ7ተ ነሐሴ ብዕለተ እሑድ መልአከ እግዚአብሔር ‘ዓቢይ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም’ ኢሉ ኣበሠሮም። በዚ ዕለት'ዚ ኸኣ ካብ ሰብ ዝበለጸት ካብ መላእኽቲን ዝኸበረት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተፀንሰት። ❖ምስ ተፀንሰት ብዙሕ ተኣምራት ገበረት። በርሴባ እትበሃል “ሐና እግዚአብሔር ረዲኡኪ እዩ’’ ኢላ ሰብነታ ዳኅሢሣ ዓይና ምስ ሓሰየቶ በርሃላ። ነዚ ኣብነት ገይሮም ኵሎም ሕሙማን ሰብነት ሃና እናዳህሰሱ ተፈወሱ። ከምኡ’ውን ሃና ትፈትዎ ዝነበረት ሳምናስ ዝተባህለ ዘመዳ ሞይቱ ኣብ ሬሳኡ እናዞረት ክትበኪ ከላ፡ ጽላላ ዓሪፍዎ ካብ ሞት ተንሥአ። እምበኣር ምእመናንን ምእመናትን፡ በዛ ሎሚ ዕለት ኣደ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፀንሰትሉ ዕለት ብምዃኑ ስማ እናዘከርና፡ ፍቕራን ርኅራኄኣን ረድኤታን ኣማላድነታን በረኸታን ስንቂ ጌርና ንሱባኤና ክንፍጽሞ ቅዱስ ፍቓድ እግዚአብሔር አምላኽና ይግበረልና፣ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ኣማላድነት ምስ ኵላትና ይኹን፡ ኣሜን 🙏❤️🙏
«• በእንተ ሰብእ (ብዛዕባ ሰብ)•» ═════✢━✥━✢═════ 1 ✅ ሰብ ማለት ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ፉጡር ስለ ዝኮነ ከተናኣእሶ ኮነ ከተጓንዮ መሰል የብልካን !! 2 ✅ኩሉ ሰብ ነናቱ ጽባቐ ተፎጥሮን ውህብቶን ኣለዎ ስለዚ ብናይ ግዝያዊ ጸገሙ ኣይትርሓቆ እንተ ኪኢልካ ሓግዞ !! 3 ✅ጸገም ደቂ ሰባት ተካፈል ክትገብሮ ዝግባኣካ ካብ ምግባር ድሕር ኣይትበል ንምንታይሲ ናይ ኢድካ ሓሊፋ ስለ ትጸንሓካ !! 4 ✅ኣብ ሙቾት ስለ ዘለኻ ካብ ጸበባ ዘምለጥካ ኣይምሰልካ !! 5 ✅ንህይወት ገንዘብ ወይ ድማ ሃብቲ ዘይኮኑ ዘድልይዋ ልዕሊ ማንም ጥዕናን ሰብን ከም ዘገድስዋ ኣይትዘንግዓዮ !! 6 ✅ሰብ ስለ ዝኮንካ ብግዝያዊ ረብሓ ከይትታለል ሓደራኻ ግዝያዊ ረብሓ ሒዝዎ ዝመጽእ ሳዕቤን ስለ ዘለዎ !! 7 ✅ጸዋር ሰብ ኩን ምክንያቱ እዚ ሒዙና ዞሎ ስደት ኮነ መከራ ብትዕግስቲ ጥራይ ስለ ዝሳዓር !! 8 ✅ ንዘለካን ንዘለኻዮን ኣመስግን ምክንያቱ ነዚ ናትካ ተመንዮም ዝሳኣንዎ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ዘክር !! 9 ✅ዋላ ልዕሊ ኣቅምኻ ፈተናታት እንተበዛሓካ ንፈተናታትካ ዘቃልል ፈጣሪ ስለ ዞሎ ምሳካ ንኩሉ ብዓቅልን ብተስፋን ክትብድሆ ፈትን !! 10 ✅ዕውት ሰብ መታን ንክትከውን ወትሩ ካብ ፈጣሪኻ ኣይትርሓቅ !! 11 ✅ሓወይ/ ሓፍተይ ብኣምላኽ እመን/ኒ ምስኡ ኮንካ/ኪ ዘይካአል ነገር የለን!! 12 ✅ ፈጣሪ ክሰርሓካ ከሎ እምንን ሰሜንቶን(ሓገዝ ) ክሳብ ዘይቐረብካ ብመልክዕካ ኣይትመካሕ!! 13 ✅ምግጋይ ናይ ሰብ ባህሪ እዩ :: ይቅሬታ ምሕታት ድማ ንጌጋ ዝሕክም መድሓኒት እዩ:: ይቅረ ምባል ናይ ዓበይቲ ሰባት ሃብቲ እዩ :: 14 ✅ንበዳሊኻ ኣይትታሃላለኾ! እንተ ክኢልካ ብትሕትና ኣሸንፎም!!! 15 ✅ሓሪቅካ ከለኻ ኣይትመልስ: ታሓጉስካ ከለኻ በፍጹም መብጽዓ ኣይትእቶ: ጉሂካ ከለኻ ካአ ኣይትወስን። 👉 ኩሎም ሊንክታትና ኣብዚ ኣለውኹም ❖ 𝒀𝒐𝒖 𝑻𝒖𝒃𝒆 ❖ 𝑻𝒆𝒍𝒆𝒈𝒓𝒂𝒎 ❖ 𝑭𝒂𝒄𝒆𝒃𝒐𝒐𝒌 ❤️ Follow • Subscribe • Share
https://youtu.be/SldcO_QxFig?si=4D4rRpfIia7sRNna
++ መወዳእታ ሕይወትና ++ •ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ => ገለ ሰባት ነዛ ዝነብሩላ [ምድሪ] ከም ዘለኣለማዊትን ቤት መንግሥቲን ገይሮም እዮም ዝርእይዋ። ዋላኳ ሓደ መዓልቲ ሞት መጺኡ ከም ዝወስዶም ሕልናኦም እንተነገሮም ብልቦም ግና ኣብዚ ቦታ'ዚ ንዘለዓለም ከም ዝነብሩ እዮም ዝሓስቡ። ብዝሓዝዎ ገዛን ብዝሰርሕዎ ብዘዋለልዎ ንብረትን ክኣ እናተዓበዩ ይነብሩ። ገዝኦም ብዝተፈላለየ ሕብሪ ከድምቁ ደስ ይብሎም። ክቡር ዝኾነ ንብረት ንምምላእ ክኣ ኣዝዮም ይደኽሙ። ኣብቲ ንውሉድ ወለዶ ክጸንሕ ዝኽእል መሲሉ ዝተሃንጸ ገዝኦም ድማ ሰላምን ድሕነን ዝረኽቡ ይመስሎም። ንሕና ግና ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስደተኛታትን መጻእተኛታትን ከም ዝኾና ንፈልጥ ኢና። እቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንሰርሖም ገዛውቲ ከኣ ኣብ ወሰን ናብታ ዘለዓለማዊት ቤትና እንኸደሉ መገዲ ከም ዝተሰርሑ ግዝያዊ መዕረፊ ገይርና ኢና እንሓስቦም። ካብዚ ገዛ እዚ ድማ ምሉእ ሰላምን ድሕነትን ኣይንጽበን ኢና። ንሕናስ ኣብ ትሕቲ መለኮታዊ ጸጋ ኢና ርእስና ክነጸግዕ ንደሊ። ናብ ላዕሊ ናብ ሰማይ ክኣ ንጥምት ኣለና። ንብረት ሕይወትና፤ እቶም ብፍቕሪ ዝግበሩ ሠናይ ተግባራት እዮም። እግዚአብሔር ኣምላኽ መወዳእታ ህይወትና የፀብቐልና !! ስለ ኹሉ ነገር ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን። ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
без подписи
1.ፆም እንታይ ማለት እዩ ? 2.ካብ እንታይ ኢና ንፀውም ? 3.ንሕና ጠሚና እግዚአብሔር ይረክብ ? 4.ስጋ ኣይትብልዑ ዝብል መፅሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ኣሎ ድዩ ? 5. ጾመ ፍልሰታ እንታይ ማለት እዩ ፣ መዓዝ ንምንታይ ንጾም ? ንዝብሉ ሕቶታትን ካልኦትን መልሲታት መልሲ ኣብ ዘዳግም ቲዩብ #YOUTUBE ኣቲኩም ተከታተሉ ። 👇👇👇👇 https://www.youtube.com/@ZedagmTube
https://youtu.be/CEtiqs7xf7w?si=9drNrwBT5KPRdeQF
ይቕሬታ ነፍሰይ « ምስ ብዙሓት ዘበላሸውኪ ነገራት ኣፋሊጥኪ እየሞ» ሓደ ኣቦ ዝተናገርዎ
•••#መናእሰይ_ግደፉንዶ ❓
«•ንስካ ከመይ ጌርካ ኣቡነ ዘበሰማያት ትብል❓•» ❖ ═════✢━✥━✢═════ ከም ውላድ ዘይትነበር እንድሕር ኴንካ ከመይ ጌርካ ንእግዚአብሔር ኣቦይ ትብሎ ? ንካልእ ጸሊእኻ ፈታዊ ርእሱ እናሃለካ ከመይ ጌርካ ኣቦ "ና" ኢልካ ብሓድነት ትጽውዖ ? ምድራዊ ነገር ጥራሕ እናሓሰብካከ ከመይ ጌርካ "ኣብ ሰማይ ትነብር " ትብሎ ? ልብካ ካብኡ ርሒቁ ብኣንደበትካ ጥራሕ እናጸዋዕካዮ "ስምካ ይቀደስ " ከመይ ጌርካ ትብሎ ? ሰጋውን መንፈሳውን እንሓዋወስካ "መንግስትካ ትምጻእ " ንምታይ ትብሎ ? መከራ ብጸጋ ዘይትቅበል ካብ ኮንካ"ፍቃድካ ይኩን " ንምንታይ ትብሎ ? ንዓርስካ እንበር ስለካልኦት ዝጠመዩ ዘየግድሰካ ካብ ኮነ ንምንታይ "ናይ ዕለት እንጀራና ሎሚ ሃበና ትብል ? ናይ ሓውካ ቂም ሒዝካ " ንዝበደሉና ይቅረ ከምዝበልናሎም "ከመይ ጌርካ ትብል ? ካብ ናይ ሓጥያት ኣጋጣሚታት እንከይሃደምካ " ናብ ፈተና ኣይተእትወና ከመይ ጌርካ ትብል ? ክፉእ ነገር ንምቅዋም ሓደ ነገር እንትይገበርካ ካብ " ክፉእ ኣድሕናና" ከመይ ጌርካ ትብል ? ነቲ ጸሎት ካብ ልብካ ከየዳመጽካዮከ ከመይ ጌርካ ኣሜን ትብል ? ምንጨ:- የኤፍራጥስ ወንዝ ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
#የፍቅረካየ ....
ነቲ ኩሉ ዝሕዝ ሓዝዎ፣ ነቶም ኩሉ ዝገዝእ ኣሰርዎ ነቲ ህያወ ወዲ እግዚአብሔር ኣሲሮም ፣ ብቁጥዓ ጎተትዎ ብፍቅሪ ተከተሎም ኣብ ቅድሚ 'ቶም ዝሓርድዎ ከምዘይናገር ከም የዋህ በጊዕ እናተከተለ ወሰድዎ ፣ ሊቃነ መላእክት ብፍርሓትን ብምንቅጥቃጥን ኣብ ቅድሚኡ ዝቆሙሉ ኣብ ኣደባባይ ኣቆሙዎ ሓጥያት ይቅረ ንዝብል ሓጥእ በልዎ ነቲ ንመኳንንቲ ዝፈርዶም ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሞት ፍርዲ ፈረድዎ ። •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
«•••••ኣምላኽ ንምንታይ ሓዲጉና❓••••» ❖ ═════✢━✥━✢═════ ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ዘይሰምዐና እንተይኮነስ ንምንታይ ኢና ንሕና ንኣምላኽ ዘይንሰምዖ ፣ ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ዘይባርከና እንተኮነስ ንሕና ንምንታይ ዝተውሃበና በረኸት ክንፈልጥ ዘይከኣልና ምባል ተምሃሩ ፣ ኣምላኽ ንምንታይ ሓዲጉና እንተይኮነስ ንምንታይ ኢና ንሕና ንኣምላኽ ሓዲግናዮ በሉ ፣ ኣምላኽ ንምንታይ እዩ እቲ ናይ ሃብቲ ቁልፊ ሓቢኡዎ እንተይኮነስ ንምንታይ ኢና ክእለትና፣ ዓቕምና ኣብ ናይ ስንፍና ጉድጓድ ቀቢርናዮ በሉ። ንምንታይ ኣብ ናይ ትልግምቲ ለቆታ ኣእትኩም ቀቢርኩምዎ ። ኣምላኽ ንምንታይ እዩ ሰላሙ ፣ምሕረቱን ፍቕሩን ዘይልእከልና እንተይኮነስ ንምንታይ ኢና ንሕና ሰላማውያን ፣ይቕረ በሃልትን ፈቃራትን ኽንከውን ዘይከኣልና ኢልኩም ዓርስኩም ሕተቱ ። ኣምላኽ ፍፁም ኣይጋገን እዩ ፣ እቲ ጌጋ ኣብ ደቂቃ ሰባት እዩ ዘሎ መልዐሊ ኩሉ ፀግም ድማ በዓልትና ኢና ። ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
❖«••ዋጋ እምነት ••» ❖ ═════✢━✥━✢═════ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ናብ ሓደ ሊስትሮ (ወልዋሊ ጫማ) ቀጻሊ እናኸደ ጫምኡ የጽርግ ነበረ። ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቱ ብንዕቀት ዓይኒ እናረኣዮ ጫምኡ ኣወልዊሉ ከደ። ኣብታ ካልአይቲ መዓልቲ 'ውን ተመሳሳሊ ናይ ንዕቀት ገጽ ኣርይዎ ከደ። ኣብታ ሳልሳይቲ መዓልቲ እቲ ሊስትሮ ጫማኡ እናጸረገሉ እንከሎ ብስሕተት ንእሽተይ ቀለም ኣብ ካልሱ ነክኦ ። እቲ ሃብታም ሰብ ብሕርቃን ነዲሩ ዝበሃልን ዘይበሃልን ፀርፊ ፀሪፉ ኣብ ቅድሚ ሰባት ኣዋሪድዎ ከደ ። ነገር ግን እቲ ሃብታም ስብኣይ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቃይቅ ተመሊሱ መጸ'ሞ፣ ነቲ ሊስትሮ "ኣብዚ ተሌፎነይ ረሲዐያ ይመስለኒ እሞ ኣይረኣኻያን ? በጃኻ ተሓባበረኒ . . ." በሎ ምስኪንኪን እናበለ ብትሕትናል። እቲ ሊስትሮ ድማ"ኣይትሻቀል ተሌፎንካ ምሳይ ኢያ ዘላ። ዓንተዎ እኮ ቴሌፎን ከም ዝረሳዕካ ክሕብረካ ኢለ እንተጸዋዕኩኻ 'ውን ሓሪቅካ ስለ ዝነበርካ ክትሰምዓኒ ኣይከኣልካን" ብምባል ተሌፎኑ ሃቦ። እቲ ሃብታም ሰብ ብቅንዕና 'ቲ ሰራሕተኛ ኣዝዩ ተደነቀ'ሞ ካብ ጅብኡ ሓምሳ ቅርሺ ኣውፂኡ ሃቦ ። እቲ ሰራሕተኛ ፥- "በጃኻ 5 ቅርሺ እተሊኡካ ወስኸኒ" በሎ'ሞ፥ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ብዘይምንም ዘረባ ሓሙሽተ ቅርሺ ወሲኹ ሃቦ። እቲ ሰራሕተኛ ድማ እታ ዝሃቦ ሓሙሽተ ቅርሺ ብምውሳድ ነታ ሓምሳ ቅርሺ መለሰሉ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ "እዚ ሓምሳ ቅርሺ ሓዞ። መርኣያ እሙንነትካ ኢለ እየ ሂበካ" በሎ። እቲ ሰራሕተኛ ድማ "ናይ እሙንነት ዋጋ ክንደይ ድዩ?" ብምባል ሕቶ ኣቕረበ። "እዋይ ከባድ ሕቶ ሓቲትካኒ። ዋጋ እሙንነት እኳ ኣይፈልጦን ?" በለ እቲ ሰብኣይ ። እቲ ሊስትድሮ ድማ ከምዙይ ክብል ሓሳቡ ከምዙይ ክብል ቀፀለ፣ "ዋጋ እሙንነት መጀምርያ ንኩሉ ሰብ ተኣማኒ ሰብ ንምኳን ፈትን። ኽሕገዙ ንዘለዎም ሰባት ከኣ ብገንዘብካ ጥራይ ዘይኮነ፥ ፍቅሪ ብምሃብን ብምርኣይ 'ውን ሓግዞም። እዛ 5ተ ቅርሺ ዝወሰድኩልካ ናይቲ ዝሰራሕክዎ ዋጋ 'ዩ። እንተ እሙንነት ግን ኣይሸየጥን እዩ ። በሎ። እቲ ሰብኣይ ከም ልማዱ ካልእ መዓልቲ ናብቲ ልስትሮ ብምምጻእ "ሎሚ ብዙሓት ዝውልወሉ ጫማታት ስለዘለውኒ ምሳይ ንገዛ ንዓናይ 'ሞ ፀሪግካለይ ክትምለስ። ብምባል ናብ ገዝኡ ሒዝዎ ኣምርሐ። ገዛ ምስ ኣተዉ ድማ 'ቲ ዝጽረግ ጫማታት ኣውፂኡ ሃቦ እሞ "ንስኻ እዚ ጫማታት ክሳብ ትውልውሎ ድንኳን በጺሐ ክምለስ'የ" ኢሉዎ ጥማር ገንዘብ ኣብ ጠረጰዛ ኣቀሚጡ ናብ ደገ ኣምርሐ። እቲ ሊስትሮ ስርሑ ወዲኡ ነቲ ኣብ ጠረጰዛ ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ጽቡቅ ቦታ ኣቀመጦ። እቲ ሰብኣይ ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ፥ ብቀጥታ ናብቲ ኣብ ጠረጰዛ ዝገደፎ ጥማር ገንዘብ ተመልከተ። እቲ ዝገደፎ ገንዘብ ኣብ ቦትኡ ከም ዘየለ ምስ ኣረጋገጸ ከኣ ኣዝዩ እናነደረ ነቲ ሊስትሮ "ከምዚ ከማኻ ድኻታት መቸም ገንዘብ ርኢኹም ስቅ ኢልኩም ምሕላፍ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝሃብካኒ ናይ እሙን ምኻን ኣስተምህሮ ደኣ ኣበይ ኣሎ ? 'ቲ ሊስትሮ ድማ ከምዙይ በለ "ብርግጽ ኣነ ኣብ ጎደናታት ዝሓድር ድኻ እየ። ኩሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ድኻ ድማ ስዲ ወይ ሰራቂ ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ሃብታም 'ውን ቅኑዕ፥ ትሑት ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ንሰብ ቅኑዕ ኰንካ ቅረቦ። ቅኑዕ ሰብ ክትከውን ትኽእል ድማ ብገዛእ ርእስኻ እዩ። ብናይ ሓደ ሰብ ስሕተት ብዙሓት ሰባት ኣይትፃረፍ። ስለ ኹሉ ነገራት ኣዝየ የመስግን።ገንዘብካ ኣብ ቀረባ ቦታ ስለ ዝረኣኽዎ ኣብ ጽቡቕን ጥቑብ ዝበልክዎ ቦታ እየ ኣቀሚጠልካ" ኔረ ብምባል ካብቲ ዘቀመጦ ቦታ ብምምጻእ ገንዘቡ ኣብ ኢዱ ኣረኪብዎ ናብ ደገ ኣምርሐ። እቲ ሃብታም ሰብ ደድሕሪኡ ብምስዓብ፥ "በጃኻ . . . ይቅረ ግበረለይ በዲለ እየ። ፍቃደኛ እንተኾንካ ንዓ ምሳይ ኣብዚ ንበር። ስራሕኻ ውን ብሓድሽን ብዝበለፀን መንገዲ ክንጅምሮ ኢና "እናበለ ብትሕትና ሓተቶ። •════••• •••════• ፍትዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንዝኮነ ሰብ ብኣከዳድንኡ ፣ወይ ብስርሑ ኮነ ምንኣስ ዓቅሙ ርኢኻ ምፍራድ ትክክል ኣይኮነን ። ውሽጣዊ መንነትን ብደጋዊ መንነትን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ካልእ ድማ ድማ ዋላ እኳ ነገራት ትክክል ከምዘይኮኑ እንተረኣና ተሎ ኢልና ክንፈርድ የብልናን ። ምክንያቱ ኣቀዲምና ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ? ዝብል ጉዳይ ክነፃሪ ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ሃብታም ልቢ ኣብ ኣብ ድኻ ሰብ ብዝተቀዳደደ ልብሲ ተሸፊኑ ምስረኸብካዮ ከይትጥዓስ። ሃብታም ልቢ ናይ ኣምላኽ ውህብቶ ክኸውን ከሎ ክዳን ድማ ብገንዘብ ዝግዛእ ንብረት እዩ። ስለዚ ንደቂ ሰባት በኣካዳድኦም ኣይትምዘኖም። ቅኑዕ ምኻን ንገዛእ ርእስኻ'ዩ። ቅንዕናኻ ድማ ሓደ መዓልቲ ዕጽፊ ኮይኑ ከም ዝምለሰልካ ኣይትረስዕ። ኣምላኽ መስተውዓሊ ልቢ ይዓድለና። ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ዘዳግም ቲዩብ ተሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
«✍✍•••••ኣበው እንታይ በሉ ❓•••• ✍✍ » ❖ ═════✢━✥━✢═════ ❖ ብፅእ ኣቡነ ሰላማ ናይ ቤተክርስትያን ጉዳይ ሒዞም ናብ ናይ ሓደ በዓል ስልጣን ቢሮ ቀሪቦምም እንተዘራርብዎ ብንዕቀት ዓይኒ እናረኣየ "ኣታ" ኢሉ ብምንጋር ከነኣእሶም ሞከረ ። ኣቦና ድማ ከምዚ ክብሉ መለስሉ ። ጉዳይ ቤተክርስቲያነይ ደኣ ፈጽመለይ እንበር ይትረፍዶ "ኣታስ" ዋላ "ኣቲ" ኢልካ ፀውዐኒ በልዎ። እቶም ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘለው ኣይኮኑን ካሊእ ኣቦ እዮም ። ❖ሓደ መጺኡ ንሓደ ንናይ መጽሓፍ መምህር ናይ ሎሚ ጥምቀት ጋህድ እንሀዎ ዶ የብሉን ? በሎም ንሶም ድማ :- 'ቲ ናይ ዓሚ ኔርዎ ናይ ሎሚ ግን እንድዒ ክብሉ መለሱሉ ይበሃል ። ✟ ዝተባረከት ዓይኒ ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ዝተጸመደት እያ ። ✟ ዝተባረከት እዝኒ ናይ ንስሃ መዝሙር ብምድማጽ ትሕጎስ ✟ ዝተባረኸት ጎሮሮ ዝተቀደስ ማይ ይወርደላ ፣ ✟ ዝተባረኸት መልሓስ ናይ ኣምልካ ቅዱስ ስጋ ክቡርን ደምን ትቅበል ፣ ✟ ካብ ዝተባረኸት ኣንደበት እግዚሐብሔር ይመስገን ዝብል ቃል ኣይጠፍእን ፣ ✟ ዝተባረኸት ክሳድ ብደም ክርስቶስ ዝተቀደስ ቅዱስ መስቀል ትሽከም ፤ ✟ ዝተባረኸት ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ፣ ድንግል ማርያም ኣንጊሳ ብፍቅሪ ትምላእ፤ ✟ ዝተባረኸት ኢድ ዝቀረበላ ምግቢ ብስም ሥላሴ ትባርኽ፤ ✟ ዝተባረኸት እግሪ ንጉሆን ምሸትን ቤተክርስቲያን ትመላለስ ፣ ኣነ እግዚአብሔር ኣምልኽኹም እየሞ ፣ ሰብነትኹም ቀድሱ ቅዱሳን 'ውን ኹኑ ዘሌ 11÷44 ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ዘዳግም ቲዩብ ተሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
••• ትዕዝብቲ - ሓደ••• ሓድሓደ ሰባት ብህይወትካ እናሀለካ ከም ዝሞትካ እንትቆፅሩካ ገለ ሰባት ከኣ ሞይካ 'ውን ልደትካ የክብሩ !
ሓደ ቅዱስ ኣቦ ከምዙይ ይብል "እቲ ምእንቲ እግዘአብሔር ኢሉ ንዓመጻ ዝተጸመመ ከም ሰማእታት ይቑጸረሉ። እቲ ምእንቲ እግዘአብሔር ኢሉ ብትሕትና ዝኸይድ ሰብ ከኣ እግዘአብሔር ይሓልየሉ እዩ። እቲ ምእንቲ እግዘአብሔር ኢሉ ደንቆሮ ዝኾውን ሰብ ድማ እግዘእብሔር ጥበበኛ ይገብሮ‛። ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ተሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
ሽምግልና ካብ ዝወድቕ ብዙሕ ግዜ እዩ ጌሩ ። እዚ ድማ ምናልባት ካብቶም ናይ መራሕቲ ሃይማኖትን ፣ዓብይቲ መራሕቲ ዓዲ ሽማግሌታት ውድቐት ዘመላክቱ ነገራት ሓደ እዩ ። ሀዚ ድማ ካብቲ ሓዱሽ ሽምግልና ( መርዓት በይናን ምስ መርዓዊኣን ክልተ ግዜ እትምርዖወሉ) ጉዳይ ብተወሳኪ ምቕንጣጥ ዝበሃል ከኣ ንርኢ ኣለና ። ሓደ ሓወይ ከምዙይ ኢሉኒ ብምዕራብ ትግራይ ይካይድ ኔሩ እዚ ድማ እታ ጓል ቅድሚ መርዓኣ ሕንባሻ ተሰንኪቱ ስዋ ተፀሚቁ ደሓር ምስተን ኣብቲ ከባቢኣ ዘለዋ መሓዙታ ኮይና ንሩባ (ተከዘ) ይወርዳ ፣ትጭውት ውዒለን ድማ ናብ ገዛ ተመሊስን እከለ ማይ ይቕረበልን በሊዐን ሰትየን ከኣ ገገዝኤን ይፋነዋ ። ብጣዕሚ ዘሕዝን ነገር እቲ ኣብ ከቢድ ችግር ዘሎ ማሕበረሰብና ተወሳኪ ዓርሱ ዘሸግርሎም መንገዶታት ምፍጣርን ዝነበሩ ነባርን ትርጉም ዘለዎም ባህሊታት ምቕያርን እናተለመደ ይከይድ ምህላው እዩ ። ስለዙይ እቲ ትርጉም ዘለዎ ኣቦታታን ኣደታታን ዓብይቲ ዓዲን ብዝፈቀድዎን ዝከየድ ዝነበረ ባህሊ ብግልካ ከም ሃፍቲ ገነትካ ብሓዱሽ መንገዲ እናቃነቃካ ምጥፋእን ምብራዝን ምዕባድን ይኣክል ። ጠይቀ ዝረከብኩዎ ካልእ ነገር ውን ኔሩ ንሱ ድማ ድሕሪ ሰሙን እዩ ዝግበር ስሙ ድማ ምቕላዕ ይበሃል ፣ ቤተሰብ(ዓዲ ጓል) ድማ እንኳዕ ድንግለይ ቀንጠጥካለይ ንብምባል ይጥቀምሉ ዝብል እዩ ። ከምዝተረዳእኩዎ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ክፈላለ ከምዝክእል እኳ እንተኮነ ነገር ግን ኩሉ ስርዓታዊን ትርጉም ዘለዎም እዩ ። እዚ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ግን ችምግልና ቁ 3 ምባል ይከኣል እዩ ። ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ተሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና
«✍✍ 13 ኣካላት ተወጊዞም✍✍ » ❖ ═════✢━✥━✢═════ ልዕሊ 13 ኣገልገልቲ ካብ ዝኮነ ይኹን ኣጥብያ ቤተ ክርስትያን ከምዝተኣገዱ ተፈሊጡ። እዋናውን ኩሉ ክርስትያን ከንብቦn ዝግበእ መግለጺ ቅዋም እንሆ ። ይብጻሕ ናብ ኩሉኩም ኣብ ዓለም እትርከቡ ኣገልገልቲ ቅድስት ቤተ ክርስትያን፣ከምኡ 'ውን ኩልኩም ኣመንትን ። እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ኣካላት ብምለኦም ኣብታ ክርስቶስ ብደሙ ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን ብዝፈጠርዎ ተደጋጋሚ ችግር ምክንያት ኣብታ ኣጽናፋዊት ዝኮነትኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ሃወርያዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝተአገዱ ክንገልጽስልኩም ንፈቱ ። ብምኳኑ 'ውን እዞማብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ 13 ኣካላትን መሳርሕቶም ኣብ ዝኮነ ናይ አምልኮ ቦታ(ቤተክርስቲያን) ከይርከቡ ንሕናን መንፈስ ቅዱስን ኮይናን ወሲና ስለዝኮና ብሓደ ልቢ ኮይኑኩም ክትቃለስዎም ብትሕትና ነተሓሳስብ። 1.ኣቶ ቅንኢ 2. ኣቶ ክፍአት 3. ኣቶ ትዕቢት 4. ወ/ሮ ተንኮል 5. ኣቶ መንቀኛ 6. ኣቶ ዘረኛ 7. ሓፍቲ ምፍልላይ 8. ሓው ፈታዊ ርእሱ 9. ኣቶ ሓሜት 10. ሓው ኣድመኛ 11. ሓፍቲ ኣነነት 12. ኣቶ ጽልኢ ከምኡ እውን ኣቶ ሓሶትን ኣይተ ችግር ፈጣሪን ዝተብሃሉ ኣካላት ካብ አገልግሎት ተወጊዞም ኣለዉ፡፡ ይብፃሕ ናብ ኩለን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ወጻኢን ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት። እግዚኣብሔር ኣምላክ ካብ ገጸምድሪ የጥፍኣለና ፡፡ኣሜን ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤🩹 •➢ ሼር // SHARE ❖ ዘዳግም ቲዩብ ተሌግራም ኣድራሻና❖ ☞ https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና ።