⛪ ቃል ኣምላክ ..tube
Статистика"ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፣ ንመገደይ ብርሃን እዩ።" —መዝሙር ዳዊት 119: 105 "ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ።" —መልእኽቲ ይሁዳ 1: 3 ⛪️ 👉 @wengiel81
- Последний пост
- 14 авг.
- Последнее чтение
- 15 авг.
- Постов за неделю
- 9
- Всего постов
- 34
- Тип
- открытый
- Язык
- ti
- Категория
- Новости и СМИ (по похожим)
- В каталоге с
- 13 авг.
- 1/24сутки в ленте
- 203
- 1/48двое суток
- 232
- 1/72трое суток
- 250
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
ስጋይ ኣይትደንድኒ በጃኪ ተለመኒ ኩሉ ጠፈኢ ሓላፊ ዳኣኾነይ መንማኒ ስጋይ ዝሙት ጥዑም ከይምስለኪ ድሕሪ ሞት ዝሕንዝሕ እዩ ዘንበዐኪ ሕሾት ጥቅሚ ዘለዎ ዶ ዝመስለኪ በሊ ናብ እቶን ሓዊ እዪ ዘውድቀኪ ስርቂ ሰላም ጥቅሚ ዘለዎ መሲሉኪ ድሕሪ ሞት ግን ኣይቅፅልን ትሓጎስኪ ጠፈኢ እዩ ዘይረበሕ ነፍስካ መጥፍኢ https://t.me/wengiel81
ንንስሃ ዝተዘጋጀወ ልቢ ንፆም ዝተዳለወ ኣእምሮ ድንግል ማርያም ንኩለና ተውህበና https://t.me/D_n_kibrom_desta
ኣሕዋተይ ኣነ ዝብለኩም ተሃሊዩ ዝተፈጠረ ይፈጠር ብጣዕሚ ዘፍቅረኩም ሰብ ብስጋ ክሞተልኩም ይክእል እዩ..... እመኑኒ ሲኦል ዝኣትወልኩም የለን ሞ .. ሓዳር ተስፈ መንግስተ ሰማያት ንገብረሉ ተደጋጊፍና ንጎዓዘሉ እምበር ሱቅ ኢልካ ስጋውነት ዝተላበሰ መግለፅታት ንህቦ ጥራሕ ኣይኾነን ... ስማዕ ሓወይ እግዚአብሔር ዘየፈረሐት ሓዳራ ከይፈረስ ኣይትፈርሕን እሞ ካብ ንዓካ ትሙቹ ንእግዚኣብሄር መንግስቲ ትሙችው ጓል አልሽ.. እግዚአብሔር ዝፈጠራ ዘክበራ ኣብ መስቀል ዝተሰቀለላ ዘየፍቅረት ኣብ ልዕሊ ፈጣሪ ዘፈጠሮ ነብሳ ቺት ብምግባር ሰብ ሰራሕ እናደረበትስ ኣብ ሓዳራ ትፀንዕ እያ ማለት አጠራጣሪ እዩ። እግዚአብሔር ኣብኣ ርኢካ ንሓዳርካን ንመግስቲ እግዚአብሔር ጉዕዞኻን ምኾና ካብ ተግባራ ርኢካ ቅረባ እምበር እዚ ዓለምን ኣህዛብን ንምንባር ዝምነይዎ መማረፅታት ኣይትደርድር። ንዓዓ ክትርእያ ከለካ እግዚአብሔር እንድሕር ዘይትርእዮ ሓወይ እግዚአብሔር ዘይብሉ ሓዳር ከይትምስርት ተጠንቀቅ ኢካ... ለለ ወድነይ ናይ እግዚአብሔር ፍቃድ ኾይኑ ዝበሃል ብስጋ ወደሙ ሓዳርካ ምስ ፀነዐ እዩ እምበር ቅድሚኡ ሕፀ ወይ ምእላሽ ስለ ዝኾነ ናይ ማንም ጓል ንፅህናኣን ልባን ከየድመካ ንመንግስተ ሰማይት ተእትወኻ ኣልሽ ... ንሕና ንመንግስቱ ደጊፉ ዘእትወና እምበር ዓላማውነት ዘረድአና ማ ካልኦት ኣሕዛብ ነይሮም ንዕዑ እዩ ኣቦታትና ጣዕሚ መንግስተ ሰማያት ምስና ዝካፈል ክርስቲያን ክንሙርዐ ብንፅህና ኣፅኒዖም ዝመክሩና🙏 https://t.me/D_n_kibrom_desta
🌹 ጽንሰታ ለማርያም 🌹 7 ነሓሰ፣ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም እዩ። እንቋዕ ንበዓለ ጽንሰተ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጽሓና። ❤️⛪ ምልጃኣን በረኸታን ኣይፈለየና፤ ንኩላትና ካብ ክፉእ ነገር ትሓልወና፣ ናብ ወዳ ናብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ትማልደልና። 🙏🌹 ሰናይ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ይግበረልና! ❤️💛💚 ምልጃ በረከታ ኣይፈለየና። 🙏 https://t.me/wengiel81
ዘመናዊ ሓጢይት ክፋል ክልተ እግዚኣብሄር ተፈቂድዎ ብጣዕሚ ናሓዘንኩ እየ ዝፅሕፎ ዘለኩ እግዚኣብሄር ይቅረ ይበለና ሓፍተይ ሓዳር ንግበር ቤተሰብ ነማክር ሽማግለ ክልእክ?? እግዚኣብሄር ተፈቂድዎ እሺ ኣቲ ሰነፍ እግዚኣብሄር ተፈቂድዎ ካብ ትብልስ ሕጊ እግዚኣብሄር ተከቲልካ ፅድቁ እናፈፀምካ ትነብር ዲካ ዘይትብልዯ ጓል ንወዲ ፤ ወዲ ድማ ንጓል እምበር እከለ ንእከለ ኣይተፈጠረን እግዚኣብሄር እውን እዚ ናትኪ ክብለኪ ኣይክእልን ብቅድስና ብንፅህና ተተጓዒዝኪ እግዚኣብሄር ፍቃዱ እዩ ዝኮነ ይኩን ሰብ ታይ ኮይንካ ዘይትንስሃ እግዚኣብሄር ኣብ ዝፈቀዶ ኣታ ዓሻ እግዚኣብሄርስ ሀዚ ክትምለሶ ኣብታ ቅድሚ ዓመታት ዝሓደግካዮ ቦታ ይፅበየካ ሎ ሎሚ ፅባሕ ናበልካ ትዕግስቱ ኣይትፈትኖ ታኮይንኩም ተፈላሊኩም ተፋቲሕኩም እግዚኣብሄር ኣይበሎን ኣቱም ዓሻሹ .... ቅድሚ ሓዳር ግን ሰላም ደስታ ፅቡቅ ባህሪ ሙሉእ ሰብ እባ ገይርኩም ሓሲብኩም ኣቲኩም .... ንፅቡቅ ጎኑ ጥረሕ ኢከሞ ፈቲኩም ነይርኩም ሰኣን ትዕግስቲ ኣፍሪስኩም ቃል ኪዳን ሓዳርኩም ሀዚ ግን እግዚኣብሄር ኣይበሎን ኢልኩም ኣሕዋተይ ንስንፍናኩም ማ እግዚኣብሄር ሸፊንኩም ኣይተልዕልዎ እግዚኣብሄር ፅቡቅ ዝኮነ ኩሉ ፍቃዱ እዩ ፍቃዱ ድማ ተፅሒፉ እዩ መፅሓፍ ቅዱስ ኣንብብ ፍቃዱ ክትፍፅሙ https://t.me/D_n_kibrom_desta
ሓታቲ ፦ ዘይበሰለት ጓል ከመይ ዝበለት እያ? ዝበሰለት ጓል ኣብዚ ጊዜ ንምርካቡ ከቢድ እኳ ተኮነ ግን ዘይበሰለት ጓል ከመይ እያ ንዝብል ንርአ?? ፩ ዘይበሰለት ጓል ፦ ንዘጋጠማ ኩሉ ነገር ንስካ ኢካ በደለኛ ገይራ ትሓስብ ..... ተፀጊምዋ ፣ ተደቢርዋ ፣ ገንዘብ ተሲኢና ፣ ሕማቅ ነገር ተገጢምዋ ንዓካ ኢያ በደለኛ ትገብር ፪ ዘይበሰለት ጓል ፦ ተስፋይ ኣብካ እዩ ትብለካ ንሳ ስንፍና ወሪርዋ ሰኒፋ ኣነ ይኣምነካ ኢላ ንክልቲአኩም ዝግብኣ ሸክሚ ንዓካ ትፅዕነካ ፫ ዘይበሰለት ጓል ፦ ምስ ጓሮቤት ዓርክካ ቤተሰብካ ተወዳድረካ ፬ ዘይበሰለት ጓል ፦ ዘረባ ካባካ ናብ ቤተሰብ ካብ ቤተሰብ ናብካ ተመላልስ ፭ ዘይበሰለት ጓል ፦ ቅድሚ ኩሉ ንዓካ ተፍቅር ፈጣሪ ረሲዓ ፮ ዘይበሰለት ጓል፦ ሰጋዊን ውዳሴን ካብ ሰብ ጥራሕ ምድላይ ይኮን ናብርኣ ፯ ዘይበሰለት ጓል ፦ ገንዘብ ፅባቀ ኣብዚሓ ትናፍቅ ባዕል ንዘይትርእዮ ክዳን መልክዕ ክተፀባብቅ ጊዚኣ ትውድእ https://t.me/D_n_kibrom_desta
እንሆ ድሕሪ 3 ዓመታት 1700 ኣቲና ስለ ኩሉ ነገር እግዚኣብሄር ይመስገን እንኮዕ ደስ በለና 😇😇😇 https://t.me/wengiel81
🌿ድኽመትካ ምፍላጥ እንታይ ይጠቅመካ? ድኽመትካ ምፍላጥ ማለት ርእስኻ ምንካይ ኣይኮነን። እንታይ ከም ዘድልየካ ንምፍላጥ እዩ። ሰብ ድኹምነቱ ምስ ፈለጠ፣ ናይ ርእሱ ሓይሊ ጥራይ ከም ዘይኣክል ይርዳእ፤ ሽዑ ናብ ጸጋ እግዚኣብሔር ክደሊ ይጅምር። ጳውሎስ ሓዋርያ፦ “ኣነ ምስ ዝደክም፣ ሽዑ እየ ሓያል።” — 2 ቆሮንቶስ 12፥10 ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ንርእሱ ምስ ፈለጠ፣ ንጎይታ፦ “ጎይታይ፣ ካባይ ርሓቕ፤ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ።” — ሉቃስ 5፥8 በለ። ጎይታ ግና ኣይነጸጎን። እኳ ደኣ፦ “ኣይትፍራህ፤ ካብ ሕጂ ንደሓር ሰባት ክትሓዝ ኢኻ።” — ሉቃስ 5፥10 በሎ። ስለዚ፣ ድኽመትካ ምፍላጥ መወዳእታ ኣይኮነን፤ መጀመርታ ናይ ምልዋጥ እዩ። ሓጢኣትካ ምስ ትፈልጥ፣ ንንስሓ ትቀርብ፤ ድኹምነትካ ምስ ትፈልጥ፣ ጸጋ እግዚኣብሔር ትደሊ፤ ርእስኻ ምስ ትፈልጥ ድማ፣ እግዚኣብሔር ክንደይ ከም ዘድልየካ ብዝያዳ ትርዳእ። “ርእስኻ ምፍላጥ እግዚኣብሔር ምፍላጥ እዩ፤ ድኽመትካ ምፍላጥ ድማ ጸጋኡ ንምድላይ መንገዲ እዩ።” 🙏 https://t.me/wengiel81
ኣብ ህይወትኻ እቲ ዝዓበየ ስሕተት ንኹሉ ሰብ ትኽክለኛ ኾይንኻ ንክትርአ ምፍታን እዩ። ለዋህ እንተኾይንኻ ርጉማት ይፀልኡኻ ፈላጥ እተኾይንካ መሃይማት መሃይምነቶም ስለተቃልዖም ኣብዚሖም ይፅየፉኻ ዕላማ እንትህልወካ ተስፋ ቖረፃት የሳድዱኻ ሰሪሕኻ እንትልወጥ ኮፍ ኢሎም ይድህሉኻ.. ንነፃነት እንትቃለስ ጨቆንቲ ብህይወት ይፈርዱኻ.. ታይ ኣልፈዐካ ኣብዛ ሓፃር ዓለም እንትነብር ብሙሉእ ድምፂ ትፍቶን ትፅላእን ኣይትኽእልን'ሞ ኣብ ዝበፃሕኻዮ ኹሉ ቅርፅኻ ከም ማይ ኣይትቐያይር.. ካብ ማንም ንላዕሊ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኻ ጥራሕ ትኽክል ኹን🙏 https://t.me/wengiel81
ንክድ ❤ ንዓኪ ዝገልፅ ልብኪ ዘፅግብ ፍፁም ሓጎስ ዝፈጥረልኪ ዘዕግብ ታይ ይኾን ህያበይ ሞት ዶ ይከውን በቃ ይገርመኒ ታይ ከም ዝከውን ክኾን ከምቲ ትደልዮ ንስለ ሓጎስኪ ንስኪ ካብ ትሓዝንለይ ክኾን ድላይኪ ፍቅሪ ምስ ሰላም ክከውን ናብራና ሕጊ ቤተክርስቲያን ይኩን ኣብ ልዕሌና ኣነ ዝፈልጦ ክርስቶሳዊ ፍቅሪ እዩ ሞ ብሓደ ንፀሊ ንህይወትና ከለምልሞ ምፅዋት ናገበርና ቃል ኣምላክ ተማሂርና ቅዳሴ ማህሌት ብሓደ ኩሉ ጊዜ ናአተና ንሕና ምስ ክርስቶስ ንሱ ውን ኣባና ብምኻን ፍፁም ክንሕጎስ ኹለና ንክድ ንማከር ምስ ንስሃ ኣቦና ኣብ ምድሪ ንጀምሮ ሰማያዊ ጉዕዞና ሞት ምስ መፀአ ፍቅርና ምስ ፀነዐ ኣነን ንስክን ፍርድና ምስ ቀነዐ ንዑ ዞም ደቀይ መንግስተይ ውረሱ ብሰማይ ህይወትኩም ፍፁም ተሓጎሱ ኢሉ ናብ መንግስት ብክብሪ ከእትወና ብዝሙት ዘይኾነስ ብተክሊል ንግበር ሓዳርና ብዓለም ዘይኾነስ ይጀመር ቅዱስ ጉዕዞና ሕጉን ፍቅሩን ይንብር ብፅኑዑ ኣብ ልዕሌና ነዚ ኩሉ ምስ ገበርና ክሰምር እዩ ሓዳርና ብሰማይ ብምድሪ ዕውታት ክንከውን ኢና በሊ ንክድ ንቤተክስቲያን ናብ ኣቦና ሀዚ ክንልምኖ ክሳካዕ ሕልምና (2) https://t.me/D_n_kibrom_desta
ናይ ደስታ ቆፀሮ ኣቦ......... እቲ ብርሃን ገፅካ ብኣምሳለይ ዝተፈጠረ መስተውዐሊ ልቦናካ ንዓይ ዘክበረ ጊዜ ቀይርካ ኣቦካ ክትርስዕ ንዓይ ንምፍቃርስ ኣይ መሰለንን ትስስዕ ወደይ ዝመቅደስከ ንመን ገዲፍካሉ እቲ ሰኣታትስ የለን ዝቆሞሉ ንመን ኣሚንካ ኢካ ሪሕቅካ ካባይ ቃል እንዶ ኣይነበረን ዘየርሕቅ ካብ ጎነይ ኣነስ ናፊቀ እየ በቃ ይኣክለኒ ዚ ጥዑም ልሳንካ ሚሕር ናፊቁኒ መልሲ ይህሉዶ ንዓይ ትምልሶ በል ንገረኒ ንሓጥያትካ ክድምስሶ ውሉድ........... መዓዝ መሲሉኒ እትብለኒ ወደይ ብበዝሒ በደል ረሲዐያ ህይወተይ ብዓለም ተሸዊደ ወዲቀ ኣብ ፈተና ናባካ ዝምልሰኒ ስኢነ ሞንጎኛ ትዕቢት ወጢሩኒ ይቅርታ ከይሓትት ረሲዐዮ ኔረ ዝናትካ ብዙሕ ምሕረት ኣቦይ ክብለካ ካብ በልካ ዉሉደይ ረሲዐዮ ኔረ ከም ዝኮንካ መሰረተይ ኢድካ ዘርግሐለይ የብለይ መላሲ ተፈቂድካለይ ክኮን መንግስትካ ወራሲ ኣቦ.......... ኣነስ ኣለኩ እየ ይፅበ ንዓካ በል ነዓ ተመለስ ናብ መሰረትካ ውሉድ........ መፂአ ክፀንሕ እየ ልክዕ ኣብ ሰዓታ ክንራከብ ኪና ኣብ ናይ ኩል ጊዜ ቦታ ዝገበርካ ተገበርካ ሀዚ ለ ኣይረፈደን https://t.me/wengiel81
🌸ዋጋኪ ፍለጢ እሞ ኣብ ቅድስና ተመላለሲ🌸 ንስኺ ማለት ናይ ክርስቶስ መርዓት ኢኺ፤ ብቅድስና እምበር ብሕጊ ኣፍራስነት ሩካቤ ክከውን ኣይግባእን ….. ወይ ድማ "ምስኣ እየ ኣመንዚረ" እናበለ ክዛረበልኪ ባዕልኪ ኣሕሊፍኪ ኣይትሃቢ ። ንቅድስና ዝፈጠረኪ ኣምላኽ ኣሎ፤ ሰብ ኩሉ ንሓጢያት እንተዓደመኪ እኳ፣ ንሱ ፈጺሙ ኣይሓድገክን እዩ። ንሱ ከጽንዓኪ፣ ክመርሓኪ፣ ክሕልወኪ እዩ። ንስኺ ዋጋኪ ትፈልጢ ጋል ኣምላኽ ክትኮኒ ኣለኪ ። ቅድስናኪ ብደም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ክህነፅ ዘለዎ ። ስለዚ ዋጋኺ ካብቲ ኣህዛብ ዝህቦ ግምት ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ንስኺ ናይ ሓደ ብቅድስና ካብ ልቡ ዝጸለየ ሰብ ጸሎት ውጽኢት ኢኺ ። ኣምላኽ ጥበብ፣ መስተውዓሊ ልቦናን ጸጋን ክህበኪ እዩ፤ እቲ ዝሃበኪ ፀጋ ጊዜ መላእ ሰብነትኪ ንኽብሩን ንኣገልግሎቱን ተጠቐምሉ። ሓፍተይ፣ ልብኺ ብዙሕ ዋጋ ኣለዎ። ንዘይግብኦ ሰብ ሂብኪ ክጻወተሉ ኣይትፍቀዲ። እቲ ልቢ ዝሃበኪ ጐይታ፣ ንዕኡ ክትህብዮ ይጽበ ኣሎ። ካብ ኩሉ ነገር ንላዕሊ ልብኺ ሓልውዮ፤ ካብ ተንኮል ፣ ካብ ውዳሴ ፣ ካብ ኣምልኮ ፅባቀ ፣ ካብ ንዓለም ዝመስል ናብራ፣ ካብ ቅንኢ ፣ ካብ ዘይጠቅሙኪ ሰባት ፣ ካብ ንዙሙት ዝመርሕኪ ሓሊዮ ምኽንያቱ ምንጪ ህይወት እዩ። ብሕጊ እግዚኣብሔር ንበሪ እምበር፣ ብሓሳብን ፍቓድን ሰባት ኣይትምርሒ ሰብ ክተሐጉሲ ኣይትሞክሪ ። ኣምላኽ ንዓኺ ዘዳለወልኪ መደብን ተስፋን ኣለዎ። ኣብ ምርጫታትኪ ብጸሎት ቅድሚ ኹሉ ኣምላኽ ኣማኽሪ ብሕጉ ተመርሒ ክትኮኒዮ ትደሊ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ኣቅሚጥዎ እዩ ሞ ፤ ትሕትና ብልብኺ ይኹን፣ ቃሉ መሪሕኪ ይኹን። ኣብ ጸሎት ኣይትድከሚ፤ ቃሉ መዓልታዊ ኣንብቢ፤ ካብ ዘይጠቕመኪ ማሕበርን ሰባትን ፈተናን ርሓቒ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሊ፤ ኩሉ ግዜ ቅድስናኺ ሓልዊ። ከም ሩት — እምንትን ተኣማኒትን ኩኒ። ከም ሃና — ኣብ ጸሎት ትግህቲ ኩኒ። ከም ማርያም — ትሕቲን ተኣዛዚትን ኩኒ። ከም ሊድያ — ልብኺ ንቃል ኣምላኽ ክፉት ይኹን፣ለጋስን ወሃቢትን ኩኒ። ከም ዶርቃስ — ዝተውሃበኪ መኽሊት ንኽብሪ ኣምላኽ ተጠቐምሉ። ከም ኣስቴር — ደፋርን ንሓቂ እትቃለስን ኩኒ። ከም ፌቤ — ቤተ ክርስቲያን ብትግሃት ኣገልግሊ። ኣምላኽ ልብኺ ብሰላሙ ይምልኣዮ፤ ፍቓዱ ክትፈልጢ ጥበብ ይሃብኪ፤ ኣብመንገዲ ቅድስና ከኣ ክሳዕ መወዳእታ የጽንዓኪ። ኣሜን። ሓፍትና ቃለ ህይወት የስማዕልና 🙏 https://t.me/wengiel81
“ንስኻ እሙን ኴንካ፡ ብፍቓድካ ካብ እትፍጽሞም ሓጢኣታት እንተተቖጠብካ፡ እግዚአብሔር ድማ ብዘይ ፍቓድካ ክትፍጽሞም ካብ ዝመጹልካ ኩሎም ሓጢኣታት ክሕልወካ እዩ።” — ብፁዕ ኣቡነ ሺኖዳ ሳልሳይ ✝️ https://t.me/wengiel81
⛪ ቃል ኣምላክ ..tube pinned «#ፆመ_ፍልሰታ በስመአብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ ➖➖➖✝️✝️✝️➖➖➖✝️✝️✝️➖➖➖ ጾመ ፍልሰታ ናይ እምበይትና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍቲ፣ ትንሳኤን ዕርገትን ዝሕሰበሉ እዩ።ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናይ እምበይትና ሞትን ትንሳኤን ንሓዋርያት ዝገለፀትሉ ምስጢር ካብ ነሓሰ 1-16 ህዝበ ክርስቲያን ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ወልደኣብ ወልደ ማርያም ምሕረት ናሃታ ልመና ብሱባኤ ዝምሕፀንሉ…»
" እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ” ዝበሎ ትንቢት ተፈፂሙ። ወንጌላዊ ዮሃንስ ካብ ኣዴና በረከት ተቐቢሉ ካብ ሰማይ ወረደ። ሓዋርያት ተኣኺቦም ሓዚኖምን ተኪዞምን ረኺብዎም ስለ ቅድስቲ ማርያም ኩነታት ሓቲቶምዎ ኹሉ ዝኾነ ነገር ነጊርዎም ብዓብይ ክብሪ ዓሪጋ።ሓዋርያት ዓመት መሉእ ፀኒሖም ነሓሰ ምስ ኣተወ ዮሃንስ ክልተ ሱባኤ ንእተው ምስ በሎም ፆምን ፀሎትን ሒዞም ምልማን ጀሚሮም ጎይታና ኣምላኽና ድማ ናይ ኣዴና ስጋ ሂብዎም ብታሕጓስ ዝማሬ ብውዳሴን ብምህላን ኣቐዲሞም ዘዘጋጀውዎ መካነ እረፍት [መቓብር] ጌተሰማኔ ቀቢሮምዋ። ለ.#ትንሳኤን_ዕርገትን ናይ ኣዴና ማርያም ቀብሪ ስነ ስርዓት እንትፍፀም ካብ ፲፪ ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ሓዋርያ ቶማስ ኣይነበረን ካብ ዘምህርሉ ዝነበረ ሃገረ ስብከት ናብ ኢየሩሳሌም ብደመና ተፃዒኑ እንትምለስ ኣዴና ማርያም ካብ ዝተቀበረትሉ ፫ይ ዕለት ተለዒላ እንትትዓርግ ይራኸቡ። ትንሳኤ ናይ ኣዴና ማርያም ንኻልኦት ሓዋርያት ዝረኣዩ ንዕኡ ዝተሓብኦ ዘይተሳተፈ ዝተረፈ መሲልዎ ተናዲዱ “መጀመሪያ ናይ ወድኺ ኸዚ ድማ ናትኺ ትንሳኤ ከይረኣኹ ተሪፈ” ካብ ሓዘኑ ዝተልዓለ ካብ ዝነበሮ ደመና ተወርዊሩ ክወድቅ ኣዴና ማርያም ብዘይካ ንሱ ካልኦት ሓዋርያት ናታ ትንሳኤ ከምዘይረኣዩ ነጊራ ኣፅናዕኒዓ ኸይዱ ዝኾነ ክነግሮምን ምልክት ክኾኖም ድማ ዝተገነትሉ መግነዛ ሂባቶ ዓሪጋ። ሓዋርያ ቶማስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ ካልኦት ሓዋርያት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቀቢርናያ ኢሎም ነጊሮምዎ ንሱ ድማ “ሞት ብጥሪ ብነሐሰ መቃብር ከመይ ኢሉ ይኸውን?” ኢልዎም፡፡ “ንስኻ ናይ ጎይታና ኣምላኽና ትንሳኤ ተጠራጢርኻ ኸዚ ድማ ከምኡ ኣይትኣምንን “ኢሎም ወቂሶምዎ ብቅዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ ኣዴና መካነ መቃብር ሒዞምዎ ኸይዶም መቓብር እንተኸፈቱ ስጋኣ ሲእኖምዎ ደንጊፆም እውን ቶማስ ድማ “ኣይትኣምኑን ኢለ እምበር ኣዴና ማርያም ተላዒላ ዓሪጋ እያ” ኢሉ ዝኾነ ነገር ኹሉ ኣረድኦም፡፡ ንመረገገፂ ምልክት ክኸውን ዝሃበቶ መግነዚ ኣርኢዎም በዚ ንበረከት ክኾኖም እቲ ዝተውሃቦም መግነዝ ተኸፋፊሎምዎ በዚ ዝተልዓለ ካህናት ኣብ እጀታ መስቀልን ቀዋሚ መስቀልን ጨርቂ ይጥቀሙ እዮም። ሓዋርያት ትንሳኤኺ ሓዋርያ ቶማስ ሪኡ ንሕና ከመይ እዚ ከይረኣና ንተርፍ ብምባል ኣብ ቀፃሊ ዓመት ካብ ዕለት ፩ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ናይ ሱባኤ መወዳእታ ነሓሰ ፲፮ ጎይታና ፀሎቶም ተቀቢሉ ኣዴና ማርያም መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ሓጋዚ ቀሺ፣ቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሰናይ ዋና ዲያቆን ገይሩ ቀዲሱ ኹሎም ክቆርቡን ብምግባር ናይ ኣዴና ቅድስቲ ማርያም ዕርገት ኣርእዬዎም ፍሰሃ ኾነ። ሐ.#ፆመ_ፍልሰታ_ኣፈፃፅማ ቤተክርስቲያና ስርዓት ሰሪሓን ሰሪዓን ካብ ሸውዓተ ዓበይቲ ኣፅዋማት ተራ ኣእትያ እዚ ዓብይ ናይ በረከት ምስጢር መግለፂ ፆም ብፍቅሪ ንክንፆም ገይራ እያ ኣብ ፆመ ፍልሰታ ቅዳሴ ማርያም መሉእ ሱባኤ ድማ ይቅደስ፡፡ሓዋርያት ዝረኣይዎ እፁብ ምስጢር ናይ ኣዴና ሞትን ትንሳኤን ዕርገትን በረከት ንምክፋል ምእመናን ህፃናት ዓበይቲ ካህናት ፆመ ፍልሰታ እንትመፅእ ብናፍቆት ዝፅበይዎን ብፆምን ፀሎትን ዘሕልፍሉ ግዜ እዩ። ፆመ ፍልሰታ ብህፃናት፣ ብምእመናንን ብካህናት ብፍሉይ ፍቅሪ ዝርአ ዓብይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍፀመሉ ወቅቲ እዩ፡፡ ካህናት ለይቲ ብሰዓታት ቀትሪ ብቅዳሴ መዘምራን ብስብሐተ ነግህ /ንጉሆ ምስጋና/ ህፃናት ብመዝሙር የሕልፍዎ፡፡ምእመናን ድማ ንጉሆ ውዳሴ ማርያምን ቅዳሴ ማርያም ትርጉም እናደምፁ፣ቀትሪ ቅዳሴ ብምስታፍ ምሸት ድማ ሽምዓ ብምውላዕ የኽብሩ፡፡መዝሙሩ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያምን ስደት፣ ዝበፅሓ መከራን ምንግልታዕን ብምስትዋስ ብልመና ይልምኑ። ብምግባርን ሃይማኖትን ዝተረኸበ ፀጋ እናስታወሱ ይልምኑን ይዝምሩን። ናይ ኣዴና ቅድስት ማርያም ትንሳኤን ዕርገትን ፆመ ፍልሰታ ምክንያት ብምግባር ብዙሓት ካብ ገዝኦም ካብ ምቾት ተፈልዮም ኣብ መቃብር በሪ ዓፅዮም ፣ኣልጋን ምንፃፍን ሓዲጎም ኣብ መሬት እናሃረሱ ቆሎን ጥረምረን እናተመገቡ ብፆምን ፀሎትን ኣብ ሓያል ተጋድሎ ይቅንዩ። ኣብ ሰሙነ ፆመ ፍልሰታ ምእመናን ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘለዎም ፅኑዕ ዕሙቅ ፍቅሪ ዘርኢሉ ጊዜ እዩ።ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ኣብ ከርሰ መቃብር ፀኒሑ ሙስና መቃብር ከይረኸቦ መግነዝ ፍትሑለይ መቃብር ክፈቱለይ ከይበለ ብስልጣኑ ከምዝተልዓለ ኣዴናም ኣብ ተቀበረት ኣብ ሳልስቲ መዓልቲ ከም ወዳ ተላዒላ ዓሪጋ እያ።ስለዚ ትንሳኤ ናይ ኣዴና ከም ወዳ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ይክበርን ይበዓልን። ወስብሐት ወለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!አሜን 🖋Telegram channel join እቲ ቃል ኣምላኽ ናብ ኹሉ ምእንቲ ክበፅሕ ሼር ግበርዎ። https://t.me/wengiel81
#ፆመ_ፍልሰታ በስመአብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ አሐዱ አምላክ ➖➖➖✝️✝️✝️➖➖➖✝️✝️✝️➖➖➖ ጾመ ፍልሰታ ናይ እምበይትና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍቲ፣ ትንሳኤን ዕርገትን ዝሕሰበሉ እዩ።ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናይ እምበይትና ሞትን ትንሳኤን ንሓዋርያት ዝገለፀትሉ ምስጢር ካብ ነሓሰ 1-16 ህዝበ ክርስቲያን ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ወልደኣብ ወልደ ማርያም ምሕረት ናሃታ ልመና ብሱባኤ ዝምሕፀንሉ እዩ ፆመ ፍልሰታ፡፡ሱባኤ እንትፍፀም “እምበይትና ማርያም ብሓቂ ተላዒላ እያ” እናበልና ብደስታ ንጾሙሉ ወቅቲ ይፍፀም፡፡ ሞታ ዘደንቕ ምዃኑ ቅዱስ ያሬድ “ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም ይአጽብ ለኲሉ፤ ሞት ንዝኾነ ሰብ ኹሉ ዝግባእ እዩ ናይ ማርያም ሞት ግን ካብ ኹሉ ዘደንቕ እዩ” ብምባል ገሊፅዎ ይርከብ፡፡ እዚ ናይ ትንሳኤን ዕርገትን ዓቢይ ምስጢር ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት “ተንሥአ እግዚኦ ውስተ ዕረፍትከ" ዎ እግዚአብሔር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ”{መዝ.131፡8}፤ ከምኡ እውን “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት፤ “እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ ብየማንኻ ትቐውም ኣላ”{መዝሙር 44 ፡9} እናበሉ ትንቢት ቃል ዝተዛረበላ ብንፅሐ ሥጋ፣ንፅሐ ነፍስ፣ንፅሐ ልቡና ዝፀንዐት ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍቲ፣ትንሳኤን ዕርገትን የረድኣና {ራእይ ዮሐንስ 11፡19} እምበይትና ታቦተ እግዚአብሔር ምኳና ኣባ ጽጌ ድንግል ኣብ ማኅሌተ ጽጌ እንትገልፅ “ ከመ ታቦት ሥርጉት በወርቀ ዓረብ ወተርሴስ በድንግልና ማርያም ሥርጉተ ሥጋ ወነፍስ” ኢሉ ኣመስጊንዋ ኣሎ። ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ብትርጉም እዚ ቃል ትንቢት ቅዱስ ዮሃንስ ኣብ ራእይ ከምዝረኣዮ “ ንግሥተ ሰማይ፤ ናይ ሰማይ ንግስቲ”{ዮሃንስ ራእይ 12፡1} ዝብል ብምግንዛብ ናይ እምበይትና ብኹሉ መዳይ ክብርን ልዕልናን ኣማሊኦም ኣስፊሖምን ገሊፆምዋ ይርከቡ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ “ካብ ሕጂ ጐይታ ዝሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም።እወ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ ካብ ጻዕሮም ክዓርፉ እዮም” {ራእ.14፡13} ኢሉ ከምዝመስከረ። እዚ ክብሪ ብምርዳእ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘወትር "ወበእንተዝ ናዐብየኪ ኩልነ ኦ እግዝእትነ ወላዲተ አምላክ ንጽሕት ኩሎ ጊዜ፡፡ ንስአል ወናንቀዐዱ ኀቤኪ ከመ ንርከብ ሣህለ በኀበ መፍቀሬ ሰብእ፤ ኹሉ ጊዜ ንፅሕቲ ዝኾንኪ ኣምላክን ዝወለደኪ ኣዴና በዚ ነኽብረክን ሓፍ ሓፍ ነብለኪ፡፡ ሰብ ዝፈትው ወድኺ ይቅርታን ምሕረትን ክንረክብ ዓይነ ልቦናና ናብኺ ንገብር ፡፡ ብምባል ቤዛዊተ ዓለም ድንግል ማርያም ካብ ልኡል እግዚአብሔር ኹሉ ጊዜ ትልምን ምኳና ዝተውሃባ ቃል ኪዳን ብምሕሳብ በምስትዋስ ብምስጢር የምስግንዋን የኽብርዋን። ናይ ድሕንነት ዓለም ጉዕዞ ምክንያት ከምዝኾነት፡፡ ✍️ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ኣብዝመፀሉ ግዜ ደቂ ሰባት ዘሳደደ ሳጥናኤል ኣብ ሄሮዶስ ሓዲሩ ከሳድዶ ከሎ ወዳ ሒዛ ናብ ስደት ብምኻድ ንድሕንነት ምኽንያት ኾይና {ዮሐንስ ራእዩ.12፡1-6} ✍️እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ ምስ ረኣየ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስራ ተዋህባ ” {ራእይ12፡13-17} ✍️ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ መጀመሪያ ኣምላካዊ ድንቂ ተኣምር ኣብ ዝገበረሉ ኣብ ቃና ዘገሊላ መርዓ ስነ ስርዓት ኣዴና ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ከምዝነበረትን ነቲ ተኣምር ምክንያት ከምዝነበረትን ይፍለጥ ዝብለኩም ስምዑ ዝብል ኣቀዲማ ዝተዛረበት እያ።{ዮሐንስ 2:1-8} ✍️ኣምላካዊ ናይ ቸርነት ስራሕ ጐይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዝፈፀሞ ናይ በይዛነት ኣብ ቀራንዮ ኣደባባይ ኣብ ዝተሰቀለሉ እዋን ማየ ሕይወት ዝኾነ ኣማናዊ ኣብ እግሩ ነይራ። ✍️ሓዳስ ሔዋን ቅድስቲ ማርያም ብክርስቶስ ቤዛነት ንዝደሓነ ብወርቀ ደሙ ዝተውሃሃዶ ናይ ሰብ ዘርኢ ማለት ክርስቶስ ምሥጢራዊ አካል (ቤተመቅደስ) መንፈሳዊት ኣዶ ፀጋ ተዋሂባ እያ {ዮሐንስ 9:26} ናይ እምበይትና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሞትን ትንሳኤን ነገረ ማርያም፣ ስንክሳርን ተአምረ ማርያም ከምዘረድኡና፤ጥሪ 21 ዕረፍታ እዩ፡፡ ቅዱስ ዳዊት ክዛረብ ከሎ “ዎ እግዚኣብሄር ፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ" {መዝ 132፥8} በዚ ድማ ኣብ ፷፬ ዓመታ ነፍሳ ካብ ስጋኣ ተፈሊና ዝዓረፍትሉ እዩ። ጠቢቡ ሰሎሞን “ፈታዊተይ ተልዓሊ ዎ ውበተይ እነሆ ክረምቲ ሓሊፋ ዝናብ ሓሊፉ ከይዱ ዕምበባታት ኣብ መይዳ ተገሊፆም {መኃ ሰለሞን 2፡11-13} እነሆ ክረምት ሓሊፉ ማለት ብስደት ብኣይሁድ ናይ ኩሉ ግዜ ፀላእቲ ኣብ ልዕሊ ውሉዳ መከራን ስቅለትን ስምዖን ኣብ ቤተ መቅደስ ከምዝተዛረቦ ልባ ብሓዘን ሰይፊ ዝተኸፈተላ ናይ ሓዘን ፍላፃ ዝተወግአላ ወቅቲ ክረምቲ ሓሊፉ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ፣ሞቱ፣ ቤዛነቱ ተፈፂሙ፡፡ ትንሳኤ ኣብ ምድሪ ተገሊፁ እዩ ተሰቢኹ እዩ ማለት እዩ።ኣብ ምድርና ዕምበባ ተራእዩ እዩ ናይ ሓዋርያት ድምፂ ኣብ ኹሉ ምድሪ ተባፂሑ እዩ። “ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፣ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።” መዝሙር ዳዊት 19፥4 ናይ ዜማ ጊዜ በፂሑ ናይ መከራ ጊዜ እዩ ፡፡ {መዝ 14፡13} ናይ ቀውዒ ጊዜ ዝተብሃለ ናይ ፍረ ግዜ ብምዃኑ ክርስትና ፍረ ኣፍሪዩ እዩ ማለት እዩ። በለሱ ኣፍርዩ ማለት ድማ ፅቡቅ ምግባረ ፍሬ ከይኣፍረዩ ዝነበሩ ሰባት ፅቡቅ ምግባር ብምስራሕ ምጅማሮም ዘርኢ እዩ። ኣብ መወዳእታ ወይኒ ኣፍርዮም መኣዞም ይሸትት ኣሎ ኣብ መላእ ዓለም ብሃይማኖት ዕምብባ ምፍራይ ከምዝጀመሩ እዩ። ሀ. #ዕረፍታ_ታሪክ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጥሪ 21 መዓልቲ ምስ ዓረፈት ሓዋርያት ናይ ማርያም ስጋ ኣብ መቃብር ንምዕራፍ ሓዋርያት ናብ ጌተሰማኔ መካነ ዕረፍቲ (ነባር ናይ ኣይሁድ መቓብር) ሒዞም እናኸዱ እናሃለዉ ኣይሁድ ብቅንኣትን ምቅኝነትን ተለዓዓሎም “ቀድም ወዳ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተለዒሉ ኣብ ፵ መዓልቱ ዓሪጉ እንደገና ተመሊሱ ብኽብሪ ክምልስ እዩ” እናበሉ ብትምህርቶም ህዝቡ ወሲዶምዎ ይርከቡ ።ኸዚ ድማ ስቅ እንተበልና ከም ወዳ ተላዒላ ዓሪጋ እናበሉ ክህውኹና ክነብሩ እዮም። ንዑ ተኣኻኺብና ብሓዊ ነቃፅላ ተባሃሂሎም ተመኻኺሮም መፂኦም ድማ ካብ ማእኸሎም “ታውፋኒያ” ዝተብሃለ መንእሰይ ጠንካራ ኣይሁዳዊ ተመሪፁ ኸይዱ ናይ ኣዴና ማርያም ስጋ ዝተሸከሙ ዓራት መፆሪ ብረት ብኢዱ ሓዞ። ብረት ምስ ሓዞ ናይ እግዚአብሔር መልኣክ ብሓዊ ሰይፊ ክልተ ኢዱ ቆሪፅዎ ዝተቆረፀ ኢዱ ኣብ ኣልጋ ተንጠልጢሉ ተሪፉ።ታውፋኒያ ዝፈፀሞ ስራሕ ተፀፂቱ ናብ ኣዴና ማርያም ስለዝተማሕፀነ ብተኣምር ዝተቆረፀ ኣእዳዉ ናብ ቀደሙ ተመሊሱ (ስንክሳር ጥሪ) ናይ እግዚአብሔር መልአክ ናይ ኣዴና ስጋ ምስ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሐንስ ናብ ደስታን ፍስሃን ዘለዎ ገነት ብመንፈስ ቅዱስ ተወሲዶም፡፡ጐይታና ናይ ኣዴና ማርያም ስጋ ክተውፅእ ገነት መቃብር ክፅውዕዋ ሊቃነ መላእክት ኣዚዝዎም።ንሶም ድማ ከምዝተኣዘዝዎ ገበሩ “እግዚአብሔር ኣዚዙ ኣሎ” ኣብቲ ግዜ ካብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ካብዘሎ መቃብር ናይ ኣዴና ቅድስቲ ማርያም መቃብር ስጋኣ ወፂኣ።ጎይታ ናብ መንግስተ ሰማያት መላእክቲን ሰማእታትን እናሰገዱላ ኣዕረጋ።ንጉስ ዳዊት “ወትቀውም ንግሥት በየማንከ በአልባሰ ወርቅ ዑጽፍት ወኁብርት፤
🌿 ፍልሰታ ጾም — እንኳዕ ብሰላም ኣብጽሓና 🌿 ጽባሕ ናይ ፍልሰታ ጾም ንጅምርሉ እዩ። እዚ ጾም እዚ ንልብና ናብ እግዚኣብሔር ንኽንመልስ፣ ብጸሎትን ብንስሓን ንኽንጸንዕ ዝተዋህበና ቅዱስ ግዜ እዩ። ኣብዚ ጾም እዚ ምግቢ ንኽንከልክል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ኃጢኣትን ካብ ክፉእ ሓሳብን ክንርሕቕ ኣለና። ቂም ንሕደግ፣ ይቕረ ንበል፣ ንድኻታት ንርዳእ፣ ብጸሎት ንጽናዕ፣ ቃል እግዚኣብሔር ንምሃር። ፍልሰታ ጾም ናይ ከብዲ ጾም ጥራይ ኣይኹን፤ ናይ ልቢ ጾም እውን ይኹን። ❤️☦️ እግዚኣብሔር ንዚ ቅዱስ ጾም ብበረኸት ይጀምረልና፣ ንልብና የንጽሓዮ፣ ካብ ኃጢኣት ይሓልወና፣ ብሰላም ድማ ናብ በዓለ ዕረፍቲ እመቤትና ቅድስት ማርያም የብጽሓና። ኣሜን። 🙏☦️ https://t.me/wengiel81
“እግዚኣብሔር እንተ ዝህሉ…” ሓደ መዓልቲ ሓደ ኣስተካኻሊ ጸጉሪ ንሓደ ሰብ ጸጉሩ እናቖረጸሉ ከሎ፣ “ኣነ ኣብ ህላወ እግዚኣብሔር ኣይኣምንን እየ” በሎ። እቲ ሰብ ድማ፦ “ስለምንታይ?” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ኣስተካኻሊ ጸጉሪ ድማ፦ “ኣብዚ ዓለም ብዙሕ መከራ፣ ሕማምን ሽግርን ኣሎ። እግዚኣብሔር ብሓቂ እንተ ዝህሉ፣ እዚ ዅሉ ሽግር ኣይምሃለወን” በሎ። እቲ ደንበኛ ድማ፦ “ኣነ እውን ኣብ ህላወ ኣስተካኸልቲ ጸጉሪ ኣይኣምንን እየ” በሎ። እቲ ኣስተካኻሊ ተገሪሙ፦ “እንታይ ማለትካ እዩ?” በሎ። እቲ ደንበኛ ድማ፦ “ኣብ ደገ ዘለዉ፣ ጸጉሮም ዝተዘርገሐን ዘይተስተኻኸለን ሰባት ትርእዮም ዶ?” በሎ። “እወ፣ እርእዮም” በሎ። እቲ ደንበኛ ድማ፦ “ኣስተካኸልቲ ጸጉሪ ብሓቂ እንተ ዝህልዉ፣ እዞም ሰባት እዚኦም ጸጉሮም ዘይተስተኻኸለ ኣይምኾኑን ነይሮም” በሎ። እቲ ኣስተካኻሊ ድማ፦ “ንሕና ኣለና፤ እዞም ሰባት ግን ናባና ኣይመጹን” በሎ። እቲ ደንበኛ ድማ፦ “ትኽክል ኢኻ። እግዚኣብሔር ኣሎ፤ እንተኾነ ግን ብዙሓት ሰባት ንህይወቶም ንኽስተኻኸሉ ናብኡ ኣይመጹን። ስለዚ እቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ ብዙሕ ሽግር፣ ክፍኣትን ምድንጋርን እግዚኣብሔር ስለ ዘየሎ ኣይኮነን፤ ሰባት ናብኡ ክቐርቡን ብቃሉ ክስተኻኸሉን ስለ ዘይደልዩ እዩ።” እግዚኣብሔር ኣሎ፤ ሰብ ግን ናብኡ ክቐርብ ኣለዎ። 🙏☦️ “ናባይ ንዑ፣ ኣነ ከኣ ከዕርፈኩም እየ።” — ማቴዎስ 11፥28 https://t.me/wengiel81
1ይ ዮሃንስ 2:28 (TIG) •••••••••• ²⁸ ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንቆመሉ መዓልቲ እናቀረበን ንሕና ድማ ካብ ቅድስና እናረሓቅናን እግዚኣብሄር ነርሕቆ አለና ????? እግዚኣብሄ ካብ ተበዲሎም ዘይትከሓሱ ሓደ እዩ ንደቂ ሰባት ፈጢሩ ሰማይ ብዘይ ዓምዲ ምድሪ ብዘይ ሰረት ገነት ኩሉ ብፍቅሪ ምስ ገበረልና ንሕና ግን ሕጊ ጥሒስና እግዚአብሔር ኣሕዚንናዮ ከብዲ ወላዲ ከም ዝበሃል ፍጥረቱ ስለ ዝኮና ሞትና ሞይቱ ድማ 2ይ ካብ ሞት ኣዲሒኑና ኣብ ነገረ ህይወቱ ክርስቶስ ድማ ከመይ ክንነብር ከም ዘለና ምሂሩና ኣርእዩናን.........? ፆም ኣብ ገዳመ ቆርንጦስ ኣቲዩ ፣ ፀሎት ኣብ ተራራ ኣብነት ኣርእዩ ፣ እምነት ንጴጥሮስ ኣብ ባሕሪ ጠጠው ምባል ኣርእዩ ፣ ኩሉ ነገርካ ንፍቅሪ እግዚአብሔር ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣምሂሩ ፣ ይቅር ብሃልነት ኣብ መስቀል ድማ ኣብ ኣፍ ሞት ኾይኑ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን ሞ ይቅር በሎም ኢሉ፣ዕውር ኣብሪሁ ፣ ሓጥእ ዞበለፀ ቅዱስ ከም ዝኮን........... ኩሉ ኣርእዩና ፍቱዋተይ ስለ ሕጊ ከመይ ከም እትነብሩ ተፅሒፉ እዩ ............. ስለ ሕገ ልቦና ግን ሓደ ነገር ክብለኩም ስምዑኒታ 1. ሓጢያት ኣብ 1 መዓልቲ ተሰሪሕካ 1ፅድቂ ከምኡ ግበር ። 2. ተሰሪቅካ ምፅዋት ግበር። 3. ተዘሚውካ ስገድ 4. ካብ እግዚአብሔር ተሪሕቅካ ናብኡ ተመለስ 5. ሰብ ሕማቅ ተተናጊሩካ ፅቡቅ መልስ 6. ናይ ሰብ ረሃፅ ኣይትብላዕ 7. ሰባት ከይቅየሙካ ተጠንቀቅ፣ ወይ ኩሉ ጊዜ ይቅርታ ዝሓትት ሰብ ኩን። 8. ንፁሁ ኩን ክፍኣት ካባካ ይርሓቅ 9. ፀላኢ ተሃሊካ ፀለየሉ 10. ዝጠመየ ተዘይ ኣብላዕካ ትበልዕ ከለካ ዝጠመየ ከም ዘሎ ኣስታውስ 11. ቤተከርስቲያን ይሃሉ ኣይሃሉ ፀሎት ንጉሆን ምሸትን ኣብፅሕ 12. ንባዕልካ ኩሉ ጊዜ ኣነ ሓጢያተኛ እየ በሎ ትዕቢት ካባካ ክጠፍእ 13. ንባዕልካ እግዚአብሔር ሓያል እዩ በሎ ብፍርሓቱ ክትነብር 14. እግዚአብሔር ክተፍቅር ተደሊካ ፣ ሓውካ ኣፍቅር .......መፅሓፍ ቅዱስ ድማ ሓውካ ከም ባዕልካ ኣፍቅር ይብል ስለዚ ብፀሎት ብስግደት ብቅዱስ ቁርባን ብንስሃ ተነቢርካ ንስካ እግዚአብሔር ተፍቅር ኢካ ማለት ዩ ሐውካ እውን ከምኡ 15. ዓለም ኣይግዛእካ ሰብ ንዝርእዮ ክዳን ሰብ ንዝርእዮ ገፅ ሰብ ንዝርእዮ ሰበነት ሰብ ንዝርእዮ ገዛ መኪና ግዲ አይትሃበሉ እዃ ድኣስ እግዚኣብሄር ንዝርእያ ነፍስካ ሕዘነላን ተጨነቀላን.... ፍትወይ መንፈሳዊ ህይወትካ ከም ጨጉርካ ክስተካከል ኣይከኣለን ፣ ቅድስና ዕቢየትካ ከም ክዳንካ ክበዝሕ ኣይከኣለን ፣ ትሩፋትካ ከም ገፅካ ክብርህ ኣይከኣለን ፣ ጉዕዞ መንፈሳዊነትካ ከም መኪናካ ክፈጥን ኣይከኣለን ፣ መንግስተ ሰማያት ከም ገዛካ ስምካ ክረጋገፅ ኣይከኣለን.......... ወድነይ ጓይታ ምምፅኡ እናተፀበካ ምምፃእ ሞት ከይመፅኣካስ ተዘጋጀ ፅድቅ ምስራሕ ተከቢዱካ ሓጢያት ምሕዳግ ግን ኣይኣብየካን ........... https://t.me/D_n_kibrom_desta
ፍትወይ ! ክርስቶስ ኢየሱስ ከምዚ ይብለካ፦ ✟ ንድኻታት ምጽዋት ክትህብ ከለኻ፣ ኣነ እውን ኢደይ ዘርጊሐ ካባኻ እቕበል። ✟ ንዕሩቓት ክትክድኖም ከለኻ፣ ንዓይ ኢኻ እትኽድነኒ። ✟ ንዝተኣስሩ ክትበጽሖምን ከተጸናንዖምን ከለኻ፣ ኣነ ኣብ ማእከሎም ኮይነ ኣብኡ ትረኽበኒ። ✟ ንሕሙም ክትበጽሖ ከለኻ፣ ኣነ ምስኡ ኣብ ዓራቱ ኮይነ እንደገና ትረኽበኒ። ✟ ኣብ ኩሉ ቦታ ርሑቕ ኣይኮንኩን። ትእዛዘይ ኣብ እትፍጽመሉ ግዜ ኣነ ምሳኻ እነብር እየ። ንድኻታት ክትሕግዝ ከለኻ፣ ንዓይ ኢኻ እትገብር። ኣነ ድማ ኣብ ክንዲኡ ጽቡቕ ዓስቢ ክኸፍለካ እየ። ✟ ኣጋይሽ ኣብ ቤትካ ከተዕብዮም ከለኻ፣ ምስቲ ኣጋይሽ ኣብ መዕረፊኻ ኣእቲኻኒ ማለት እዩ። ✟ ከምዚ ንዝገብር ሰብ ቁጥዐይ ካብኡ ክርሕቕ እዩ። ናብ ወደብ ህይወት ከብጽሖ እየ፣ ካብ ኩሉ ክፉእ ነገር ክሕልዎ እየ፣ ክባርኾ እየ፣ ዘርኡ ከብዝሕ እየ፣ ዓስቡ ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ከዕብዮ እየ፣ ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ እውን ክህቦ እየ። 🙏☦️ — ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ❤️ https://t.me/wengiel81