Mahbere kidus yared Mezmur tsineat kifli⛪️⛪️⛪️
Статистика- Последний пост
- 14 авг.
- Последнее чтение
- 13 авг.
- Постов за неделю
- 26
- Всего постов
- 27
- Тип
- открытый
- Язык
- und
- В каталоге с
- 13 авг.
- 1/24сутки в ленте
- 74
- 1/48двое суток
- 84
- 1/72трое суток
- 91
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
без подписи
без подписи
без подписи
без подписи
без подписи
без подписи
без подписи
*_ውዳሴ ማርያም ዘሓሙስ አንድምታ* _*ብክቡር መምህርና ቦክረ ሊቃውንቲ ኣፈወርቂ*_ _ንመምህርና ቃለ ህይወት የስመዐልና,ዓስበ መምህራን ይኽፈለልና_
✟✟✟ ፯ ነሐሰ ✟✟✟ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን ✟✟✟ ጽንሰታ ለማርያም ✟✟✟ ፯ ነሐሰ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ እግዚአብሔር ንሐለቓ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ፡ ናብ ክቡርን ልዑልን ጻድቕ ኢያቄም ለአኾ። አምላኽ ናይ ዝወለደት ናይ እምበይትና ድንግል ማርያም ፅንስታን ልደታን ፡ በአኣ ንኹሉ ዓለም ድሕነትን ተድላ ደስታን ከም ዝኸውንን ድማ ነገሮ። እዚ ጻድቅ ሰብ ኢያቄምን ሰበይቱ ቅድስቲ ሐናን ድማ ብዕድሚኦም ሸምገሉ። ቅድስቲ ሐና መኻን ስለ ዝኾነት ድማ ውሉድ አይወለዱን። ደቂ እሥራኤል ውሉድ ንዘይወለደ የቃልልዎን 'ካብ እግዚአብሔር በረኸት ዝሰአነ' ይብልዎን ስለ ዝነበሩ ድማ ስለዚ ነገር አአዝዮም ይሐዝኑ ነበሩ። ንሳቶም ድማ ውላድ ንኽህቦም ናብ እግዚአብሔር ወትሩ ፈጺሞም ይልምኑ ነበሩ። ብድሕሪ እዚ ድማ ወዲ ወይ ጓል እንተወሊዶም ልቤተ እግዚአብሔር አገልጋሊ ንኽገብሩዎ ስእለት ተስአሉ። ቅዱስ ኢያቄም ድማ ፡ አብ እምባ ኾይኑ እንትጽልይን እንትማልድን ፡ ትኻስ መጽኦ እሞ ደቀሰ። አብቲ ጊዜ ካብ እግዚአብሔር ዝተልአኻ ሐለቓ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ተገለጸሉ። ከምዚ እውን በሎ። 'ሰበይቲኻ ሐና ክትጠንስ እያ። ዓለም ኵሉ ዝሕጎሰላ ፡ ንብዙሓት አዕይንቲ ልቦም እተብርህ ፡ በአኣ እውን ድሕነት ዝኸውን ውላድ ክትወልደልካ እያ።' ምስ ነቕሐ ድማ ናብ ቤቱ መጺኡ ፡ ንሰበይቱ ንቅድስቲ ሐና ነገራ። ነታ ራእይ ድማ ሐቂ ከም ዝኾነት አመኑዋ። ብድሕሪ እዚ ድማ ነሐሰ ሸውዓተ በዛ መዓልቲ ቅድስቲ ሐና ፀነሰት። ልኹሉ ዓለም መመክሒትን ብኽልተ ወገን ድንግልን ንዝኾነት አደ አምላክ እምበይትና ድንግል ማርያምን ወለደታ። ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት ቅዱሳን ኢያቄምን ሐናን ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ምሳና የሃሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ✟✟✟ ሊቀ ሐዋርያት ጴጥሮስ ✟✟✟ ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ በዓል ሐለቓ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ሐዋርያ እዩ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታና ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ክርስቶስ ንሱ ከም ዝኾነ አብ ማዕኸል ሐዋርያት ተአሚኑ እዩ እሞ። አብ ቅዱስ ወንጌል ከም ዝተብሃለ ፡ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ፊልጶስ ቂሣርያ ሀገር አብ ዝበጽሐሉ ጊዜ ፡ እሱ ልብን ኲላሊትን ዝምርምር ፡ ሰባት ዝሐስቡዎ ኹሉ እውን ዝፈልጥ እንትኸውን ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ 'ሰባት ንወልደ ዕጓለ እመሕያው መን ይብሉዎ?' ኢሉ ጠየቖም። አብቲ ጊዜ ሐዋርያት ተጠራጠርቲ ስለ ዝነበሩ ፡ ስለዚ ድማ ዝሐሰቡዎ አብ ልቦም ዘሎ ፡ ንኽናገሩ ካብ ከተማ ወጻኢ አውጽኦም። ካብኣቶም ድማ ኤልያስ ከም ዝኾነ ዝሐስቡ ነበሩ። ወይ ድማ ካብ ዝቐደሙ ነቢያት ሐዲኡ ከም ዝኾነ ዝብሉ እውን ነበሩ። ጴጥሮስ ድማ አብ ልዕሊኦም ተቘጥዐ። 'ልምንታይ ከምዚ ትሐስቡ? ንሱ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ክርስቶስ እዩ' በሎም። ስለዚ ድማ ፡ ናይ ጴጥሮስ ሃይማኖት ንኽገልጽን ፡ አብ ማዕኸል አርድእቲ ንኸግህድን ናብ ደገ አውጽኦም። ከምኡ ምስ ሐተቶም ድማ፥ 'ኤልያስ ወይ ካብ ዝቐደሙ ነቢያት ሐዲኡ ከም ዝኾንካ ሰባት ይናገሩ' ብምባል ንሳቶም እውን አብ ውሽጢ ልቦም ዝነበረ ተናገሩ። ጴጥሮስ ግን 'ንስኻ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ክርስቶስ ኢኻ' ኢሉ ምስክር ሐቂ ኾነ። ስለዚ ድማ ፡ ጎይታና አመሥገኖ። መፍትሕ መንግሥተ ሰማያትን እውን ሀቦ ። ካብታ መዓልቲ ናብዚ ድማ ፡ ርእሲ ኹሎም ሐዋርያት ኮነ። ሺመት ኵሎም ሊቃነ ጳጳሳት ኤጲስቆጶሳት ቀሳውስትን ዲያቆናትን ብኡ ተውሀበ። መሠረት ቤተ ክርስቲያን እውን ተብሃለ። ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነአና እውን ብጸሎት ጎይቶትና ሐዋርያት ይምሐረና ፡ በረከቶም እውን ንኹልና ይብጽሐና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ዐርኬ ሰላም ዕብል ለጴጥሮስ ሥዩም ላዕለ ሐዋርያት ኄራን ካህናተ ኵሉ ዓለም ሶበ ለክርስቶስ አምኖ ከመ ወልደ አምላክ ዮም ኢከሠተ ለከ ይቤሎ ዘሥጋ ወደም እንበለ አቡየ ዘሀሎ እም ቅድም። ✟✟✟ ሊቀ ጳጳሳት አባ ጢሞቴዎስ ✟✟✟ ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ መበል ዕሥራን ሽዱሽተን ሊቀ ጳጳሳት እስክንድርያ ፡ ቅዱስ አቦ ፡ አባ ጢሞቴዎስ ሊቀ ጳጳሳት አዕረፈ። ነዚ ቅዱስ ድማ ፡ አብ ሀገረ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ንክኸውን ናይ ክብሪ በዓል ቤት ጎይታና ሐረዮ። መስተጋድል ዝነበረ አባ ዲዮስቆሮስ አብ ደሴተ ጋግራ ምስ አዕረፈ ድማ ፡ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኑ ተሾመ። እዚ አቦ ጢሞቴዎስ ድማ ፡ ብዙሕ መከራ በጽሖ። ንጉሥ መርቅያን ንሀገረ እስክንድርያ ካልእ ሊቀ ጳጳሳት ሾይሙ ፡ ንአባ ጢሞቴዎስ ፡ አቐዲሙ አባ ዲዮስቆሮስ ተሰዲዱሉ ናብ ዝነበረ ደሴተ ጋግራ ሰደዶ። መርቅያን ምስ ሞተ ድማ ደቂ እስክንድርያ ተልዒሎም ፡ ነቲ መርቅያን ዝሸሞ ሊቀ ጳጳሳት ቀተሉዎ። አባ ዲዮስቆሮስ ከም ዝአዘዘ ድማ ፡ ንአባ ጢሞቴዎስ መሊሶም ሾሙዎ። ብድሕሪ እዚ ፡ ወዲ መርቅያን ልዮን ነገሠ። አብቲ ጊዜ ድማ ንአባ ጢሞቴዎስ ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ደሴተ ጋግራ ሰደዶ (አግዐዞ)። ልዮን ክሳዕ ዝሞት ድማ ፡ ንዐሠርተ ዓመት አብኡ ተቐመጠ። ብድሕሪኡ ድማ ዘይኑን ነገሠ። አብቲ ጊዜ ድማ ንአባ ጢሞቴዎስ ናብ መንበረ ሢመቱ ብዐብዪ ክብሪ መለሶ። ንሕዝቡ እናመሀሮምን እናመኸሮምን አብ ቅንዕቲ ሃይማኖት እውን እናጽንዖምን ድማ ነበረ። አብ ልዕሊ መንበር ወንጌላዊ ማርቆስ ድማ ንዕሥራን ክልተን ዓመት ተቐመጠ። ንእግዚአብሔርን አገልጊሉ እውን ብሰላም አዕረፈ። ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ዐርኬ ሰላም ለጢሞቴዎስ እንተ ረሰየ ምርዋጾ ለምሂር ወለገሥጾ በመሠረተ ወርቅ ወብሩር ነፍሳተ ብዙኃን ሐኒጾ ወበእንተ ዘኮነ በስደት ቢጾ እም ዕሴተ ዲዮስቆሮስ አብ ዕሴቱ ኢሐጾ፡፡ ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወዴ ራሔል ዮሴፍ ተወለደ። በረከቱ ምሳና ትንበር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንእግዚአብሔር ዝፈቱ ንጉሥ ኢትዮጵያ ናዖድ ዕረፍቱ እዩ። በረከቱ ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ነአና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ምንጪ ስንክሳር ብትግርኛ
без подписи
без подписи
ሰላማት ማሕበር ቆልዓ ሓሚማትኒ ወለተ ስላሴ ናበልኹም ኣብ ፀሎትኩም ሕሰቡለይ ብጣዕሚ ጨንቅኒ
Live stream finished (2 hours)
ሰላም ከመይ ውዒላትኩም ክቡራን ኣቦታትን ኣሕዋትን ጸሎት ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ'ሞ ንእቶ✝️⛪️🛎 https://t.me/mezmurkfli?livestream=d567702095b495ac67
Live stream started
*ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ አንድምታ* _*ብክቡር መምህርና በኵረ ሊቃውንት መምህር አፈወርቅ _ንመምህርና ቃለ ህይወት የስመዐልና,ዓስበ መምህራን ይኽፈለልና_
✟✟✟ ፮ ነሐሰ ✟✟✟ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን! ✟✟✟ ቅድስቲ ኢየሉጣ ዘቂሣርያ ✟✟✟ ፮ ነሐሰ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ሀገረ ቂሳርያን ቆጶዶቅያን (ዝኾነት) ፡ ቅድስቲ ኢየሉጣ ብሰማዕትነት አዕረፈት። እዛ ቅድስቲ ድማ ፡ ካብ ወለዳ ብዙሕ ሃፍቲ ወረሰት። ካብ ተቓለስቲ (ተአጋሊያን) ሐደ ድማ ዐመጻ። ኵሉ ሃፍታን ጥሪታን ፡ አወዳትን አዋልድን ባሮታን ንዳይና ጉቦ ሂቡ ነጠቓ። እቱ ዓማጺ ፡ እዛ ቅድስቲ ከም እትኸሶን ዓመጻኡ ከም እተጋልጽን ምስ ፈለጠ ድማ ፡ ናብ መኰንን ቂሳርያ ኸይዱ ፡ ክርስቲያናዊት ከም ዝኾነት ከሰሳ። ብልባ ድማ ፡ 'ሃፍቲ እዚ ዓለም ሓላፊ ዶ አይኮነን እዩ? እነሆ ድማ ብግፍዒ ዐሚጾም ነጠቑኒ። ናይ ሰማይ መዝገብ እንተጥርየ ግን ዝኾነ ክወስደለይ አይኽእልን' በለት። አብቲ ጊዜ ድማ ፡ ናብ መኰንን በጽሐት። አብ ቅድሚኡ ቆይማ ድማ ፡ 'አነ ክርስቲያናዊት እየ። ብፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ፡ ኵሉ አብ ውሽጦም ዘሎን ብወዲ ሕያው እግዚአብሔር ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ እአምን' በለት። መኰንን ድማ (ነዚ) ሰሚዑ ተቖጥዐ። ናብ እሳት ንኽውርውርዋ እውን አዘዘ። ንነፍሳ እውን ናብ ኢድ እግዚአብሔር አረከበት። ነገር ግን ፡ ምንም እሳት አይተንከፋን። ካብ ውሽጢ ማይ ከም ዝወጽእ ድማ ፡ ካብ ውሽጢ እቲ እሳት አውጽእዋ። አብ ክንዲ ሃፍታን ጥሪታን ድማ ፡ ዘኢየሐልፍ መንግሥተ ሰማያት ወረሰት። ቅዱስ ባስልዮስ እውን ብዙሕ ወዲሱዋ እዩ። ምሥጋና ንእግዚአብሔር ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎታ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ዐርኬ ሰላም ለኢየሉጣ እንበይነ ምግባራ ሠናይ በውስተ እቶን ዘአብእዋ በውዴተ ብእሲ እኩይ እንዘ ኢሀሎ ላዕሌሃ አሠረ ዋዕይ ወጽአት እም እሳት ከመ ዘወጽአ እም ማይ አምሳለ ፍቱን ወርቅ ወብሩር ጽሩይ። ✟✟✟ አባ ዊፃ ✟✟✟ ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንአባ ሲኖዳ ረድኡ ፡ ቅዱስ አቦ ፡ አባ ዊፃ አዕረፈ። ንሱ ድማ ካብ እግዚአብሔር ብዙሓት ምሥጢራት ዝሰምዐን ፡ ካብኡ ከም ዝርአዮን ከም ዝሰምዖን ፡ ሠናይ አካይዳኡ ከም ዝፈጸመን ፡ ገድሊ ቅዱስ አባ ሲኖዳ ዝጸሐፈ እዩ። ንእግዚአብሔር አገልጊሉ ድማ ብሰላም አዕረፈ። እግዚአብሔር ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ✟✟✟ ማርያም መግደላዊት ✟✟✟ ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ጎይታና ካብኣ ሸውዓተ አጋንንቲ ዘውጽአላ ማርያም መግደላዊት አዕረፈት። ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ ክብሪ ይብጽሐዮ እሞ ፡ ንጎይታና ኢየሱስ ሰዓበቶን ተልአኸቶን። አብ ጊዜ መከራኡ እውን ምስ ብጾታ ነበረት። ክሳዕ ዝቐብርዎ እውን አይተፈለየትን። ብሰንበት ድማ ፡ ወጋሕታ ገና ብጸልማቱ ናብ መቓብር ገሥገሠት። እቲ እምኒ ድማ ካብ አፍ መቃብር ተገለባቢጡ ፡ መልአኽ አብ ልዕሊኡ ተቐሚጡ ርአየት። ዓርካ (ካልእታ) ማርያ እውን ምሳኣ ነበረት። እቲ መልአኽ ድማ 'ንስኻትክንስ ነቲ እተሰቐለ ኢየሱስ ትደልያ ከም ዘለኽን እፈልጥ አለኹ እሞ ፡ አይትፍርሓ። ከምቲ ዝበሎ ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ አብዚ የለን' በለን። ነዓኣ ድማ ኻልኣይ ተገለጸላ ፡ 'ኪዲ ንአሕዋተይ አነ ናብ አቦይን አቦኹምን ናብ አምላኸይን አምላኽኩምን ከም ዝዐርግ ንገሪዮም' እውን በላ። ናብ ሐዋርያት መጺኣ ድማ ፡ ከም ዝርአየቶን ንገሪ ከም ዝበላን ናይ መድሐኒና ትንሣኤኡ ነገረቶም። ብድሕሪ ዕርገቱ እውን ፡ ንሐዋርያት እንትትለአኾም ነበረት። መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሐዋርያት አብ ዝወረደሉ ጊዜ ድማ ፡ ኢዩኤል 'አብ አወዳትን አዋልድን አገልገልተይ ቅዱስ መንፈሰይ ከሕድር እየ' እንትብል ከም ዝተነበየ ፡ ነቲ መጽናዕንዒ መንፈስ ቅዱስ ምስ ሐዋርያት ተቐበለቶ። ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ ምስ ሐዋርያት ሰበኸት። ንብዙሓት አንሽቲ ድማ መለሰተን። ክብሪ ይብጽሐዮ እሞ ፡ ናብ ሃይማኖት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን አእተወተን። ምእንቲ ትምህርቲ አንሽቲ ድማ ፡ ሐዋርያት ዲያቆናዊት ገይሮም ሾሙዋ። አብ ልዕሌኣ እውን ብዙሕ መከራ፣ አሽሙር፣ መግረፍቲን ሐሳርን ካብ አይሁድ በጽሓ። ተጋድሎኣ ፈጺማ ድማ ብሰላም አዕረፈት። ምሥጋና ንእግዚአብሔር ይኹን ፡ ንኹልና ሕዝበ ክርስቲያን እውን ብጸሎታ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን። ዐርኬ ሰላም ለመግደላዊት ማርያም ስማ ለኢየሱስ ዘርእየቶ እም ሐዋርያት ቀዲማ ወለ አንስት ሰላም ዘተሳተፋ ድካማ እንዘ ይትራወጻ ኀበ መቃብሩ ለፌማ እንበለ ያፍርሆን ዘሌሊት ግርማ። ምሥጋና ንእግዚአብሔር ይኹን ፡ ንኹልና ሕዝበ ክርስቲያን እውን ብጸሎታ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
без подписи
без подписи
Live stream finished (1 hour)