Tigrai Television
СтатистикаTigray Television is a media which disseminates news and programs world wide via Television, Radio and Website.
- Последний пост
- 22 апр.
- Последнее чтение
- 15 авг.
- Постов за неделю
- 0
- Всего постов
- 21
- Тип
- открытый
- Язык
- английский
- Категория
- Новости и СМИ
- В каталоге с
- 13 авг.
- 1/24сутки в ленте
- —
- 1/48двое суток
- —
- 1/72трое суток
- —
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
без подписи
без подписи
ነቲ ብፃዕርን ተወፋይነትን ዝተሃነፀ ናይ ጥበብ ህይወቱ ብኣድናቆት ክድህስስ ከሎ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ ኪናዊ ፅባቐኡን ንውልዶታት ዘሳገረ ናይ ስነ-ጥበብ ፍቕሩን እንትሕሰብ፤ "ጉንዲ እንተዘይህሉ፣ ጨንፈር ኣይምበቖለን።" ዝብል ብሂል ለባማት ብዝግባእ ይገልፆ። መምህር፣ ደራሲ፣ፃሓፊ ፣ ዳይሬክተርን ተዋሳኣይን ኣታኽልቲ ነጋ፤ ኣብ ዓውዲ ፊልምን ድራማን ትግራይ ፣ ኣብ ዕብየት ቋንቋ ትግርኛን ዘይሃስስ ኣሰር ዘቐመጠ ናይ ጥበብ ዓንዲ እዩ። ኣታኽልቲ ምልክዕቲ ጥበብ ዝተዓደለ፣ ብብርዑ ዓለም ዝመዘነ፣ ተዓዛቢኡ ዘሀነነ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንዳሕረዎት መራሕቲ ጥበብ ኮይኑ ዘዕበየን ኽብሪ ዘጎናፀፈን ባዓል ሞያ እዩ። ካብ 1984 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ ጉዕዞኡ፣ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ተኸታተልቲ ናይ ቴሌቪዥን ኮመዲታትን 30 ዝኾኑ ናይ ራድዮ ድራማታትን ብምድላው ንህዝቢ ዘዘናጋዐን ዘምሃረን ስሙር ስነ-ጥበበኛ እዩ። "ማሾ" ብዝብል ድንቂ ስራሑ ኣብ ታሪኽ ፊልሚ ትግርኛ ወርቃዊ ምዕራፍ ዝፀሓፈ ኣታኽልቲ፤ ብ"ምትሓታዊ ዓለባ" (ብርሆን ገይፀን) ኣቢሉ ኣብ ልቢ ተዓዘብቲ ንዓመታት ነጊሱ ይርከብ። ስራሕቱ ብዓይነትን ብፅፈትን ዝተመልኡ ብምዃኖም፣ ብብርኪ ሃገርን ክልልን ኣብ ዝተዳለዉ ውድድራት ብሉፅ ደራሲ፣ ዳይሬክተርን ተዋሳኣይን ብምዃን ተደጋጋሚ ተሸላሚ ኮይኑ እዩ። ካብ “ኣልሻ መንነት" ክሳብ "ሕርፍርፎት" ዝበሉ ስራሕቱ ባህልን ቓና ሕብረተሰብን ዘንፀባርቁ ናይ ጥበብ መስትያት እዮም። እዚ ንጥበብ ኢሉዝተፈጠረ መምህር ሰነ ጥበብ ሐዚ እዉን ካብ ኢንዱስትሪ ፊልሚ ኣይወፀን። ብርተዐ ቓናኡ፣ ዋሕዚ ኣገላልፃኡን፣ መቐረት ስራሕቱ ንምርኣይ ሐዚ እዉን ብሓዱሽ ስራሕ መፂኡ ኣሎ። "ውሽጥን ደገን" (Inside/Outside) ብዝብል ሲትኮም ስራሑ፤ ነቲ ልሙድ ጥዑም ጥበቡ ሒዙ ተመሊሱ ኣሎ። ነቲ "ውሽጥን ደገን" (Inside/Outside) ዝተብሃለ ሓዱሽ ስራሑ፤ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00 ኣብ መቐለ ሓወልቲ ሰማእታት ብዝርከብ ሲኒማ ኣዳራሽ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ዘመረቕ ምዃኑ ንሕብር። ኣብዚ ስነ-ስርዓት ምርቓ ክትሳተፉ ንእትደልዩ ኩሉኹም ድማ ዕድመና ነቕርብ። እዚ ንነዊሕ ዓመታት ዝተዳለወ ዓብዪ ፕሮጀክት፣ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዘ ንተዓዘብቲ ክበፅሕ ምዃኑ ብሓጎስ ነበስር። ኽብሪ ኣታኽልቲ ነጋ ልዕሊ እቲ ኹቡር ስራሕቱ ኮይኑ ይስመዓና። ነዚ ናይ ጥበብ ሓርበኛ ሓድሽ ስራሕ "ውሽጥን ደገን" (Inside/Outside) ብምድጋፍን ብምርኣይን ፍቕርኹም ክትገልፁሉ ብኽብሪ ንዕድም። ብክብሮም ገ/መስቀል መላለዪ እዚ ተኻታታሊ ድራማ ንምርኣይ"ውሽጥን ደገን" (Inside/Outside) እዚ ዝስዕብ ሊንክ ተጠቐሙ፦ https://youtu.be/T6zFaqse64o
без подписи
ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኲናት ንከይጋደድ ኩሎም ኣካላት ክሰርሑ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፀዊዖም። ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ዘሎ ኩናት ናብ ሙሉእ ዞባዊ ኲናት ከይስፋሕፋሕን ኣብ ስርዓት ጥዕና ዝፈጥሮም ፅዕንቶታት ንክንክን ኩሎም ኣካላት ክሰርሑ ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፀዊዖም። ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም መሰካሕካሕነትን መዕነዋይነትን ኲናት ኣብ ዝገለፁሉ መልእኽቶም " ናብ ቀፃሊ ኲናት እንትንወፍር ንዝሓለፈ ኲናት ንኩንን ኣለና" ኢሎም። ኩሉ ጊዜ " ንሳቶም" ፀላእቲ እናበልና ካብ ምግላፅ ብትክክለኛ መነፅር እንሪአሉ ግዜ ኸዚ ኽኾን ይኽእል እዩ ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ። ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝጋደድ ዘሎ ኲናት ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ዘሎ ፀገም ከም ዘተሓሳሰቦም እውን ገሊፆም። ኣብ መሰረተ ልምዓት ነዳዲ ኢራን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ፤ ምግቢ፣ማይን ኣየርን ንክብከሉ ይገብር ብምህላው ብፍላይ ኣብ ህፃናት፣ሽማግለታትን እኹል ግልጋሎት ጥዕና ዘይረኽቡ ወገናትን ንኸቢድ ፀገም ጥዕና ዘቃልዕ ምዃኑ ኣረዲኦም። ኲናት ስዒቡ ኣብ ሊባኖስ ካብ 28 ለካቲት ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጀሚሩ 9 ሰብሞያ ጥዕና ከም ዝሞቱን 16 ከም ዝቖሰሉን ከምኡ ውን 43 ማእኸላት ክንክን ጥዕናን 5 ሆስፒታላትን ከም ዝተዓፀዋን ገሊፆም። ትካል ጥዕና ዓለም ንኢራን ሓዊሱ በቲ ኲናት ፀገም ጥዕና ኣብ ዘጋጠመን ሃገራት ብቕርበት ከም ዝከታተልን ንምምሕዳራት እቶም ከባቢታት ከም ዝሕግዝን ኣረጋጊፆም። #ኪሮስ_መሓሪ
ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ 188 ገበናት ተፈፂሞም - ምምሕዳር ፀጥታ እታ ክፍለ ከተማ ምምሕዳር ፀጥታ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣብ ምክልኻል ገበንን ምውሓስ ፀጥታን ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣመልኪቱ ምስ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣካላት ፀጥታን ሕብረተሰብን ዘትዩ። https://www.facebook.com/share/p/172uysNomE/
без подписи
ዋጋ ወርቂ ንፈለማ እዋን ሓሙሽተ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ምሕላፉ ተገሊፁ። ውጥረት አሜሪካን ውድብ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ስዒቡ ዋጋ ወርቂ ንፈለማ እዋን ን31 ግራም (1 ኦንስ) 5,000 ዶላር ምሕላፉ ቢቢሲ ፀብፂቡ። ኣብዚ እዋን ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንግሪንላንድ ናብ ኣሜሪካ ንምጥቅላል ምሕሳቦም ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ዘይምርግጋእ የስዕብ ከም ዘሎ እቲ ፀብፃብ የመላኽት። ካብዚ ብዝሓለፈ ፕረዝደንት ትራምፕ ካናዳ ምስ ቻይና ሓባራዊ ስምምዕነት ንግዲ እንድሕር ደኣ ትፍርም ኾይና 100 ሚኢታዊ ታሪፍ ከም ዘንብሩ ዝገለፁ እውን ቅንያቱ እዩ ነይሩ። ልዑል ወሰኽ ዋጋ፣ ምድኻም ዶላር ኣሜሪካ ኢሉ እውን ዳግማይ ምቅናስ መጠን ወለድ ባንኪ ኣሜሪካ ተደላይነት ክባራት ማዓድነት ክውስኽ ከም ዝገበሮ እቲ ፀብፃብ ይሕብር። ኲናት ዩክሬንን ሩስያን፣ ጋዛ፣ አሜሪካ ንፕረዝደንት ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮን ምእሳራን ቀንዲ ምኽንያታት ምውሳኽ ዋጋ ወርቂ ምዃኑ እውን ተገሊፁ። ዋጋ ወርቂ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2025 ብሓደ ግዜ ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ ምንባሩ ቢቢሲ ሓቢሩ። በዓል ሞያ ሜታል ፎከስኒኮስ ካቪልስ ዋጋ ዶላር ኣሜሪካ እንትወርድ ሰብ ሃፍቲ ገንዘቦም ብወርቂ ምቕያር ከም መማረፂ ከምዝጥቀሙ ገሊፆም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሄራዊ ባንክታት ዝተቐመጠ መጠን ወርቂ ብኣማኢት ቶናት ዝቁፀር ምዃኑ ወርልድ ጎልድ ካውንስል ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ሓበሬታ የመላኽት ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ። #ሰምሃል_መኮነን
ብሽም ሓራ መሬት ኣብ ዓፋር ዘለዉ ዕጡቓት ዝፈጠርዎ ምንቅስቓስ ናብ ከባቢን ቢዝነስን ተቐይሩ-መንእሰይ ተመስገን ዳዊት ብሽም ሓራ መሬት ኣብ ከባቢታት ዓፋር ክንቀሳቐስ ዝፀንሐን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝገብሮ ፖለቲካዊ ንጥፈት ዝፍለጥን መንእሰይ ተመስገን ዳዊት ኣብ ዓፋር ዘለዉ ዕጡቓት ዝፈጠርዎ ምንቅስቓስ ናብ ከባቢን ቢዝነስን ምቕያሩ ገሊፁ። መንእሰይ ተመስገን፥ ፖለቲካ ትግራይ ክሳብ ዝዕሪ ዘወር ኢልካ ብምፅናሕ ንምድርዳር ዝተሓሰበ ምንቅስቓስ መናእሰይ፤ ኣብዚ እዋን ዋላ'ኳ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ምስ ናይ ኣዲስ ኣበባ ሰባት ብምርኻብን ደገፋት ብምርካብን ናብ ኵናት ሕድሕድ ክኣትዉ ድሌት እንተሃለዎም ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ መንእሰይ ግና ነቲ ዕላማ ከምዘይቕበሎ ኣብሪሁ። ህዝቢ ትግራይ ነኒዓርሱ ንምርፃም ብዙሓት ፓርቲታት ፖለቲካ ካብ ምፍጣር ጀሚሩ ዝረኣዩ ተግባራት ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ተመስገን በዞም ምኽንያታት ምብትታን ከምዘየድሊ ኣረዲኡ። መንግስቲ ትግራይ ዘቕረቦ ፃውዒት ተቐቢሉ ምምፅኡ ዘረጋገፀ መንእሰይ ተመስገን ኣብ በረኻታት ዓፋር ዘለዉ ኣካላት ናብ ዓዶም ኣትዮም ብሰላማዊ መገዲ ክቃለሱ ምዒዱ።
ብጥሜት ኣዲኣ ተመንጢላ ጡብ እኖሓጉኣ ክትጠብው ዝተገደደት ህፃን መዕቖቢ ተመዛበልቲ #ዓዲመሓመዳይ! ጥቅምቲ 27/2018 ዓ.ም. ሕንጠይ ካሕሰይ ኣብረሀለይ ዝተወልደትላ ዕለት እያ። ካብ ጓል 21 ዓመት ተመዛባሊት ኣዶ ኣብ ማእኸል መዕቆቢ ዓዲ መሓመዳይ ዝተወልደት ሕንጠይ ከም ዝኾነት ህፃን ድሕሪ ምውላዳ ዝተቐበላ ጡብ ኣዲኣ ኣይነበረን። https://www.facebook.com/100068990923111/posts/pfbid02hVV89VRBacCRvM6uJaZgqnHbAhYvNdQa12pVGDyyEHBWa1ReireNiA8qcSP4BxXhl/?app=fbl
ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ዓዲ መሓመዳይ ዝርከቡ ልዕሊ 6600 ተመዛበልቲ ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ኣፍ ሞት ይርከቡ። ጉጅለ ጋዜጠኛታት #ቴሌቪዥን_ትግራይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ከምዘረጋገፆ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ማእኸል ዘፅለሉ 283 ተመዛበልቲ ብጥምየት ሞይቶም እዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ https://www.facebook.com/100068990923111/posts/pfbid02tgxXgkptbPCGLZ9B9DWGJffkvdgsWMULPaNecRJP1ScLBNUCVrzFKfeg4j46G8QWl/?app=fbl
ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣብ ሕፃፅ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ። ምግባረ ሰናይ ትእምትን ምስ ኩባንያታት ትእምት ብምትሕብባር ልዕሊ 12.2 ሚልዮን ብር ዝግመት ሕሩጭ ኣብ ማእከል መዕቆቢ ተመዛበልቲ ሕፃፅ ብሓደጋ ጥምየት ንዝተሃሰዩ ወገናት ሓገዝ ክግበር ተወሲኑ። ሙሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=pfbid0cXwDpcpYwAmr3YTK3osk1xNf3nSmEtxpURzSWePcDJu8vtErgRChsCc3ZAtDKQwRl&id=100068990923111&mibextid=Nif5oz
ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሕፃፅ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየትን ሕማምን ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ህፁፅ ኣዋጅ ክእውጅ ፅላል ሲቪል ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ ሓቲቱ። ኣብ ከም ሕፃፅ ዝበላ ንመንበሪ ዘይምችዋ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዓን ካብ መሰረታዊ ግልጋሎት ዝረሓቓን ማእኸላት ተመዛበልቲ ዝነብሩ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ክሰፍሩን መሰረታውያን ጠለባት ተመዛበልቲ ማለት እውን ምግቢ፣ ማይ፣ መፅለሊ፣ መድሓኒትን ትምህርትን ክማልአሎምን እቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ፀዊዑ። ሙሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=pfbid02suxo6nbYRXdcVf2SgTj9i188qxaKrhJWb6uNQYdciowaktdP2fukXUSZFUikBUkal&id=100068990923111&mibextid=Nif5oz
ኣብ ሕፃፅ ንዝርከቡ ወገናት ዝግበር ሓገዝ ብመንግስቲ ንክምእኸል ብመንግስቲ ናብ ዝተኸፈተ ሒሳብ ቁፅሪ ባንኪ ኣታዊ ክግበር ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ፀዊዑ። ሓገዝ ክገብሩ ዝደልዩ ኣካላት ብሽም ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዝተኸፈተ ባንኪ ሒሳብ ቁፅሪ #1000737657888 ኣታዊ ክገብሩን ወገን ኣብ ምድሓን ክታምኩም ክተንብሩን ንፅውዕ ኢሉ።። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ........https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=pfbid025bW9VMsVTm5z6UqUJjsvrDAyjR8JZHd3ndHaMJqAx5coSMX7ysHYUpTSGMFsHwrWl&id=100068990923111&mibextid=Nif5oz
ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ ዝርከብ ልዕሊ 1700 ተመዛባሊ ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዝርከብ ተገሊፁ። ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ማእኸል ተመዛበልቲ ሕፃፅ ዝርከቡ ብዕድመ ዝደፉኡ ወለዲ፣ህፃናትን ደቂ ኣነስትዮን ዝለሓስ ስኢኖም ስኣን ሕክምና ብጥሜት ወዲቖም ከም ዝርከቡ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ምዕዛብ ኽኢሉ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ......... https://www.facebook.com/100068990923111/posts/pfbid0MGtyaCSyRo89zBTbspw8hwDo6UgppxcKSmcHZyQ1N4FJdX7TbTgvL6mSoXQEUUDhl/?app=fbl
ብፕሬዝደንት ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ዘትዩ። ኣብቲ ዘተ ባንኪ ንግዲ ኢ/ያ ኣብ ትግራይ ጠለብ ገዛ ዘለዎም ብማሕበር ዝተወደቡ ልዕሊ 60 ሽሕ ወገናት ገዛ ዝሰርሕሉ ዕድል ልቓሕ ንከመቻቹ ተሓቲቱ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ መላግቦ ይጠውቑ https://www.facebook.com/share/p/1BzxpKUthf/
без подписи
ዝኸበርኩም ቤተሰብ ድጂታል መራኸብታትና ---- ቴሌቪዥን ትግራይ ፡ ሓድሽ ተወሳኺ ዩትዩብ ቻነል ሒዙልኩም ቀሪቡ ኣሎ። እዚ tigrai tv plus ዝብል ስያመ ዝሓዘ ሓድሽ ቻነል ትሕዝቶታቱ ንመናእሰይ ማእኸል ዝገብሩ እዮም። ትግራይ ቲቪ ፕላስ /tigrai tv plus / እንዳዘናግዑ ዘምህሩ ትሕዝቶታት ብሓድሽ ኣቀራርባ ሒዙልኩም ቀሪቡ ኣሎ። ነዚ ሊንክ https://www.youtube.com/@TigraiTvPlus ብምፅቃጥ ዩ ትዩብ ቻናል ትግራይ ቲቪ ፕላስ ሰብስክራይብ ይግበሩ : ቤተሰብ ይኹኑ። TTV Digital
ኣብ 2025 ልዕሊ 100 ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚድያን ከም ዝተቐተሉ ዓለም ለኸ ፌደሬሽን ጋዜጠኛታት ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ዓለም ለኸ ፌደሬሽን ጋዜጠኛታት ዶሚኒክ ፕራዳሊየ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት መሰረት ገይሮም ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፥ ይዛዘም ኣብ ዘሎ 2025 ብብርኪ ዓለም 7 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 111 ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚድያን ከም ዝተቐተሉ ገሊፆም። ካብዚኦም እቶም 9 ካብ ኣፍሪካ ምዃኖም ድማ ተሓቢሩ። በቢዓመቱ 91 ጋዜጠኛታት ከሞ ዝሞቱ ዝገለፁ እቶም ፕረዚደንት፥ እቲ ፌደሬሽን መረዳእታ ምእካብ ካብ ዝጀመረሉ 1990 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን ጀሚሩ ከባቢ 3156 ጋዜጠኛታት ምሟቶም ብመረዳእታ ከም ዝሰነደ ሓቢሮም። https://www.facebook.com/100068990923111/posts/pfbid0Zxe213W8G1VoUv7HtsoWLGTdRjuy4UmSMBnCCor3MFCNC7XwsLud7Y8ZCC1kiaEBl/
ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይጥቀሙ ኣጊዳ። ኣውስትራልያ ትሕቲ 16 ዕድሚኦም ህፃናት ሰገናትን ከም ቲክቶክ፣ ኤክስ/ትዊተር፣ ፌስቡክ፣ ኢንስታግራም፣ ዩቲዩብ፣ ስናፕቻት ዝበሉ መተግበርታት ከይጥቀሙ ዝኽልክል ሕጊ ክትትግብር ምዃና ኣፍሊጣ። ዛጊድ ምስ ሜታ፣ ዩቲዩብ ቲክቶክን ንተግባራውነት እቲ ሕጊ ምርድዳእ ከም ዝተፈጠረን ምስ ሰብ ዋና እዞም ትካላት ከም ዝተስማዕምዑን ምስ ኤክስ/ትዊተር ድማ ኣብ ምዝርራብ ከም ዘለዉ ተገሊፁ። ዕላማ እቲ ሕጊ ቆልዑን ሰገናትን ካብ ሓደጋን ጎዳእትን ትሕዝቶታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ዝተገለፀ ኾይኑ፥ ካብ ሎሚ ታሕሳስ 01/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል ድማ ተገሊፁ። https://www.facebook.com/100068990923111/posts/pfbid02Dx4Y2qPuCoPHWsYj3hRggHxzYnFseZc9raDvxKUTLD6gM3dVEnrRaUwEVy4Lz5Jul/