FMC Tigrigna
СтатистикаThis is FMC Tigrigna official Telegram channel. @fanatelevision @FMCSport @afanoromofana For more updates please visit https://fanamc.com/tigrigna
- Последний пост
- 19:00
- Последнее чтение
- 12:14
- Постов за неделю
- 42
- Всего постов
- 64
- Тип
- открытый
- Язык
- английский
- Категория
- Новости и СМИ (по похожим)
- В каталоге с
- 12 авг.
- 1/24сутки в ленте
- 58
- 1/48двое суток
- 66
- 1/72трое суток
- 71
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
ኣብ ልዕሊ ለያቡ ዝተሸኸለ ናይ ሓፂን በሪ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ንሌብነት ዝተመቸወ በሪ ኣብ ምዕፃው ዘድሀበ ትልሚ ልምዓት ሓንፂፁ ጠንቂ ልምዓት ሃገር ዝኾነ ግዕዝይና ንምውጋእ ንዓመታት እናሰርሐሉ ፀኒሑ እዩ፡፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበሩ እዋናት ንሌብነት ዝተመቸወ ክፉት በሪ ገዲፍካ ኣይትስረቑ ብምባል ጭቡጥ ውፅኢት ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፤ ሌብነት ንሃገር ክባር ዋጋ እናኽፈለ ፀኒሑ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ልዕሊ-ለያቡ-ዝተሸኸለ-ናይ-ሓፂን-በሪ/
ኣጀንዳታት ናይ ምውህሃድን ምጥዕዓምን ስራሕ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ – ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ እቶም ሸሞንተ ጉጅለታት ዝተሰማምዑሎም ምኽረ ሓሳባት ንምንባብ፣ ንምጥዕዓምን ንምውዳድን ዝተጣየሸ ጉጅለ ስራሕቱ ኣጠናኺ ይቕፅል ኣሎ ኢሉ። ነፍሲ ወከፎም 500 ኣባላት ዘለዎም ሸሞንተ ጉጅለታት ዘሰናድኡዎምን ዝተሰማዕምዑሎምን ምኽረ ሓሳባት ትማሊ ምቕራቦም ይዝከር። ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ 120 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለታት ዝተመረፁ 34 ኣባላት ኣብ ሸሞንተ ንኡሳን… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣጀንዳታት-ናይ-ምውህሃድን-ምጥዕዓምን-ስ/
ምርግጋፅ ወናንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሓበራዊ ምዕባለ ሃገራት እቲ ዞባ መሰረት እዩ ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 9፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕሊ 130 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋን ብቕልጡፍ እናዓበየት ትርከብን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ ብትምኒት ጥራሕ ዝተርፍ ኣይኮነን። ኢኮኖሚን መፃኢ ዕድልን ኩሉ ግዜ ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም በሪ ባሕሪ ወሳኒን ኣገዳዲን ጉዳይ እዩ። ኢትዮጵያ ብዝጀመረቶ ዘደንቕ ትግሃት ምስፋሕ ኢንዱስትሪ፣ ምዕባለ ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻኣ፣ ከምኡ እውን ምዕባለ ፍርያት ሓይሊ ክብ ምባሉ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ምርግጋፅ-ወናንነት-በሪ-ባሕሪ-ኢትዮጵያ-ን/
ፖሊስ ኮሌጅ ኣዲስ ኣበባ 864 መኮንናት ኣመሪቑ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኮሌጅ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብካልኣይ ዙር ዝሰልጠኑ 864 መኮንናት ፖሊስ ኣመሪቑ ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ እቶም ተመረቕቲ መኮንናት ፖሊስ ኣብ እዋን ስልጠናኦም ዝረኸቡዎ ፍልጠት ንዝለዓለ ፖሊሳዊ ስብእና ዘብቅዕ እዩ። ተመረቕቲ ናብ ስራሕ እንትዋፈሩ ብዘይ ኣድልዎን ፍልልይን ብተኣማንነት፣ ብትብዓት፣… https://www.fanamc.com/tigrigna/ፖሊስ-ኮሌጅ-ኣዲስ-ኣበባ-864-መኮንናት-ኣመሪቑ/
ስታዲየም ባሕሪ ዳር ንዓለም ለኸ ውድድራት ንምትእንጋድ ዘኽእሎ ፍቓድ ካብ ካፍ ረኺቡ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ስታዲየም ባሕሪ ዳር ብኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ዝተቐመጡ መለክዒታት ብምምላእ ዓለም ለኸ ውድድራት ንኸተኣናግድ ፍቓድ ረኺቡ። ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ባህሊ፣ ቱሪዝምን ስፖርትን ክልል ኣምሓራ ጋሻው ተቀባ ንፋና ዲጂታል ከም ዝገለፁዎ፥ መለክዒታት ካፍ ብምኽታል እቲ ስታዲየም ንዓለም ለኸ ውድድራት ብቑዕ ክኸውን ብዙሓት ስራሕቲ ክካየዱ ፀኒሖም። ብፍላይ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ስታዲየም-ባሕሪ-ዳር-ንዓለም-ለኸ-ውድድራት/
ኢትዮጵያ ድምፂ ኣፍሪካ ዝኾነትሎም ዝተፈላለዩ መድረኻት ብሪክስ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ብሪክስ ኣፍሪካውያን ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ውክልና ክህልዎም እናተኻተዐት ትርከብ። ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 15 ጉባኤ ብሪክስ ኣባል ኮይና ካብ ዝተዓደመትሉ እዋን ጀሚራ ኣብ 2024 ኣብ ሩስያ ከተማ ካዛን ኣብ ዝተኻየደ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ድምፂ-ኣፍሪካ-ዝኾነትሎም-ዝተፈ/
ተበፃሕነት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ሓይሊ ሶላር ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሶላር ንምዕባይ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሉ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን። ኣብ ዞባ ምብራቕ ሓረርጌ ወረዳ ቑንቢ ከባቢታት ሓሮ ጉራቲን ሓሪሮን ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ሚኒ ግሪድ ሓይሊ ፀሓይ (ሶላር) ሎሚ መዓልቲ ተመሪቖም። እቶም ፕሮጀክትታት ተዛዚሞም ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመሩ ኮይኖም፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝረኸብዎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ሓጎሶም… https://www.fanamc.com/tigrigna/ተበፃሕነት-ኣገልግሎት-ኤሌክትሪክ-ሓይሊ/
ዓለም ለኸ መዓልቲ ንህቢ ዓለም መዓልቲ ኣናህብ ብኣኼባ እንትተኽብር፣ ንሕና ኣሰርና ብምዕራፍ ዝስማዕማዕ ስነ ምህዳር ብምፍጣር መፍረያይነት መዓር ካብ ኣፍሪካ ቀዳሞት ምዃን እዩ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣናህብ ኣብ ዓለምና ካብዘለዉ ኣዚዮም ጠቐምቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ደቀቕቲ ፍጥረታት ይስርዑ። ናይ ዕምበባን እፅዋትን ትናን ኣብ ምዝውዋር ዝፀወቱዎ ግደ ንውሕስና ምግቢን ህልውና ብዝሃ ህይወትን መሰረት እዩ። ሎሚ ዓለም… https://www.fanamc.com/tigrigna/ዓለም-ለኸ-መዓልቲ-ንህቢ/
ሽርሒ ባዕዲን ባንዳ ኣስፈፃሚ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ከይዲ ዘበናት ዝነበሩ ብዙሓት ፀገማትን መሰናኽላትን ብቆራፅነት፣ ብሓድነትን ጅግንነትን ደቃ ተሳጊራ ንትውልዲ ክትፀንሕ ክኢላ እያ። ኣብዞም ናይ ሺሕ ዓመታት ፅቡቕን ከቢድን ጉዕዞታታ ውሽጣዊ ፀገማትን ካብ ደገ ዝተፈነዉ ማሕለኻታትን ብዓወት ተሳጊራ ክሳብ ሕዚ በፂሓ እያ። ኢትዮጵያ እትርከበሉ ዞባ፣ ታሪኽ ናፅነታን ተፈጥሮኣዊ ሃፍታን ናይ ውሽጢን ወፃኢን ፀላእታ ከይድቅሱላ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ሽርሒ-ባዕዲን-ባንዳ-ኣስፈፃሚ-ዝኾነ-ዘይሕ/
እቲ ጉባኤ ዘተ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን እዩ – ተዘይቲ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እናተኻየደ ዝርከብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘጠናኽርን ዓብዪ መድረኽ እዩ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝወከሉ 4 ሽሕ ተሳተፍቲ ዘተ ኣብ ሸሞንተ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዓሚቝን ኣሳታፍን ምኽክር እናካየዱ ይርከቡ። ተስፋዬ ደጀነ ዝተብሃሉ ተዛታዪ፤ ኣብታ ሃገር ሓዱሽ… https://www.fanamc.com/tigrigna/እቲ-ጉባኤ-ዘተ-ሓዱሽ-ምዕራፍ-ዝኸፈተን-ሃገ/
ልኡኽ ካልኣይ ወለዶ ዲያስፖራ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካናዳ ዝተወልዱ ህፃናትን መናእሰይን ከምኡ እውን ስድራኦምን ዝሓዘ 120 ኣባላት ዘለውዎ ልኡኽ ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን፤ ብኣገልግሎት ዲያስፖራ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ተገይሩሉ። ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ ዝገብርዎ ናይ ሓደ ወርሒ ፃንሒት ኣብ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ልኡኽ-ካልኣይ-ወለዶ-ዲያስፖራ-ኣዲስ-ኣበባ/
ሓምለዋይ ኣሰር ንመፍረያይነት ማንጎ ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 9፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ሓለዋ ከባቢ ምስ ውሕስነት ምግቢን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ብምትእስሳር ልዑል ታሪኻዊ ዓወት እናመዝገበ ይርከብ። እዚ መርሃ ግብሪ ካብ ምዕባይ ሽፋን ደኒ ብተወሳኺ፣ ንምግቢን ቁጠባዊ ረብሓን ዝውዕሉ ተኽሊታት ብስፍሓት ብምትካል ሓዱሽ ምዕራፍ ከፊቱ ኣሎ። ካብዚኣቶም ድማ ልምዓት… https://www.fanamc.com/tigrigna/ሓምለዋይ-ኣሰር-ንመፍረያይነት-ማንጎ/
ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ቀዋሚ ኣጀንዳ ህዝቢን መንግስቲን ኮይኑ ክቕፅል ይግባእ ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ቀፃሊን ቀንዲን ኣጀንዳ ህዝቢን መንግስቲን ኮይኑ ክቕፅል ኣለዎ ኢለን ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ። መድረኽ መዛዘሚ በዓል መበል 25 ዓመት በዓል እዮቤልዩ ብሩር ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን “ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ። ምክትል… https://www.fanamc.com/tigrigna/ቃልሲ-ፀረ-ግዕዝይና-ቀዋሚ-ኣጀንዳ-ህዝቢን/
ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ትተክል ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓንቲ ከተማ ንእትምዘን ንመፃኢ ወለዶ እትገድፎ ዘላቒ ልምዓት፣ ብእትሕልዎ ተፈጥሮን ሎሚ እትተኽሎ ፈልሲን እዩ። ኣዲስ ኣበባ እውን ኣብዚ ጉዕዞ ለውጢ ነበርታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብሰፊሑ ብምስታፍ መሬታ ሓምላይ ንምሽፋን ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ንመፅለሊ፣ ፅባቐን ፍረን ዝኾኑ ፈልሲታት ብምትካል መልክዕ እታ ከተማ ቀስ ብቐስ ግን… https://www.fanamc.com/tigrigna/ፈልሲ-ጥራሕ-ዘይኮነስ-ተስፋ-ትተክል-ከተማ/
ስርቂ ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ክሳብ እርጋን ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ስልጣን ዘይሕጋዊ ጅለ ህወሓት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብግዕዝይናን ዘይሕጋዊ ተግባራትን እናተወግአት፣ ብስርቂ ድማ እናማሰነት ፀኒሓ እያ። ኣነ በይነይ ክበልዕ ብዝብል መርዘኛ ኣተሓሳስባ ዝተበከለ እቲ ዘይሕጋዊ ጅለ፤ ኣብቶም ኣብ ስልጣን ዝፀንሐሎም ዓመታት ንሃገርን ህዝቢን ብዘይምግዳስ ብስስዐ ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዝርፊያ፣ ስርዓታዊ ስርቂን ምዝበራ ኢኮኖሚን እናፈፀመ ፀኒሑ እዩ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ንመንግስታዊ ውዳበ ከም… https://www.fanamc.com/tigrigna/ስርቂ-ዘይሕጋዊ-ጅለ-ህወሓት-ክሳብ-እርጋን/
ዓቕሚ ሓበራዊ ምልማዕ ኢትዮጵያ ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 8፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈጥሯውን ጂኦ-ፖለቲካውን ሓቅታት ኣብ ምውሳን መፃኢ ዕድል ሃገራት ዓቢ ግደ ይፃወቱ። ካብ 130 ሚልየን ንላዕሊ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣና ንቑጠባዊ ዕቤታን ዞባዊ ድሕነታን ዓቢ ብድሆ እዩ። ምዕባለ ቁጠባ ምድላይን ጂኦ-ፖለቲካዊ ህላወ ምርግጋፅን ኣብዚ እዋን እዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕቶ ወደብ ብግልፅን ብቆራፅነትን ናብ መድረኽ ምምፃኡ፣… https://www.fanamc.com/tigrigna/ዓቕሚ-ሓበራዊ-ምልማዕ-ኢትዮጵያ-፤-ኣፍደገ/
ጉጅለታት ስራሕ ኣጀንዳታት ምኽረ ሓሳባት ናብ ዘዋድድ ጉጅለ እናቕረቡ ይርከቡ ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከይዲ ዘተ ጉጅለታት ስራሕ ዘዳለውዎምን ዝተሰማምዑሎምን ምክረ ሓሳባትንምንባብ፣ ንምጥዕዓምን ንምውዳብን ንዝተጣየሸ 120 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ሓሳባቶም እናቕረቡ ይርከቡ። እዚ ኣዋዳዲ ጉጅለ ካብ ሸሞንተ ጉጅለታት ስራሕ ነፍሲ ወከፎም 500 ኣባላት ዘለውዎም ብዝተመረፁ 15 ኣባላት ዝተዋቐረ ምዃኑ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ጉጅለ ንኹሎም ኣጀንዳታት ዘተ ዝተሰማምዑሎም… https://www.fanamc.com/tigrigna/ጉጅለታት-ስራሕ-ኣጀንዳታት-ምኽረ-ሓሳባት/
ደጀን ድሕንነት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ፣ ድሕነትን ሰላምን ህዝባን ብዘተኣማምን ኩነታት እናሓለወ ደጀን ዝኾነ ትካል እዩ። ብመንግስቲ መደመር እቲ ሰራዊት ንግዚኡ ዝሰማማዕ ንምግባር ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ሪፎርም ኣወዳድባ ሓይሊ ሰብን ዕጥቂን ነቲ ትካል ናብ ሓዱሽ ጫፍ ዓወትን ጥንካረን ኣብፂሑዎ እዩ። ሉኣላውነትን ዶብን ሃገር ንምኽባር ዝተውህቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ብልዑል… https://www.fanamc.com/tigrigna/ደጀን-ድሕንነት-ዞባ-ምብራቕ-ኣፍሪካ/
ኣሰር መንግስቲ መደመር ዝኾኑ ሜጋ ፕሮጀክታት ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኹሉ መዳይ ብዝሰርሐቶም ስግግራት ቅልጡፍ ዕቤት ኢኮኖሚ እናመዝገባ ካብ ዝርከባ ሃገራት ቅድሚት ትፅራሕ ክትከውን ክኢላ እያ። ነዚ ዕዉት ናይ ለውጢ ስግግር፤ መንግስቲ እናተኸተሎ ዝርከብ ኣምር መደመር ውሽዊ ዓቕሚ ምስ ዘበናዊ ፍልጠት ብምውዳድ ሓዱሽ ሃገራዊ ምዕራፍ እናሓንፀፀ ይርከብ። ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ምስሊ ከተማን ኢትዮጵያ እናቐየሩ ዝርከቡ… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣሰር-መንግስቲ-መደመር-ዝኾኑ-ሜጋ-ፕሮጀክ/
ኣዲስ ኣበባ፤ ብዲፕሎማሲ ዝደመቐት ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ዓለም ለኻዊ ምስላ ዝኾኑ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት መድረኻት እናተኣናገደት ትርከብ። በቢዓመቱ መራሕቲ ዓለም፣ ፍሉጣት ዲፕሎማሰኛታት፣ ተመራመርቲን ሰብ ሞያ ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ዝውሕዙላ ኣዲስ ኣበባ ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ብዓወት ብምትእንጋድ ዓቕሚ ዲፕሎማሲኣ፣ ዘተኣማምን ሰላማን ዕቤት ኮንፈረንስ ቱሪዝማን ንዓለም ክተርኢ ክኢላ እያ። እታ ከተማ ቀዋሚት መቐመጢት… https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣዲስ-ኣበባ፤-ብዲፕሎማሲ-ዝደመቐት-ከተማ/