አቅሌስያ ተንስኢ 🌼
Статистика" መንእሰይ ዘይሓዘት ቤተ-ክርስትያን መፃኢ የብላን ፡ ቤተ-ክርስትያን ዘይሓዘ መንእሰይ'ውን መፃኢ የብሉን " '...ፖፕ ሺኖዳ...'
- Последний пост
- 13 авг.
- Последнее чтение
- 15 авг.
- Постов за неделю
- 1
- Всего постов
- 20
- Тип
- открытый
- Язык
- ti
- В каталоге с
- 14 авг.
- 1/24сутки в ленте
- 125
- 1/48двое суток
- 143
- 1/72трое суток
- 154
Оценка по просмотрам недавних постов: пост набирает почти всё за первые сутки.
Посты
ፅባሕ ንዓኻ ዝሓሸ እዩ..! " ሎምዓንቲ ንዓኻ ብጣዕሚ መሰልቸዊ ተኾይኑካ ንፅባሕኻ ንበር። ኣብ ፅባሕኻ ውሽጢ ንዓኻ ንምርግጋዕ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው ናባኻ ከም ዝዝርጋሕ ኣስተውዕል። 👉 እዚ ተጌርካ ኣብ ፅባሕኻ ብዙሓት መፍትሕታት ክትምልከት ትኽእል ኢኻ። • ናትካ ሎምዓንቲ ፀልማት እንተኾይኑ : ጽባሕኻ ኣብ ቅድሜኻ ናይ ብርሃን መስኮት ይኸፍተልካ። ቅዱሳን ፅባሕ ንዝረኽብዎ ዘልዓለማዊ ሂወት ስለ ዝምልከቱ ፥ ተስፈኦም ኹሉ ኣብ ፅባሖም ጌሮም መከራ ይቕበሉ። • ሳዖል ከሳድዶ ከሎ ፥ ዳዊት ፅባሑ እናተመልከተ ይሃድም ኔሩ። • ነብዪ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ነባሪ ኾይኑ ፥ ንፅባሕ ይነብር ኔሩ። • ቅ.ዮሴፍ ኣብ ወህኒ ቤት እናሃለወ ኣብ ናይ ፅባሕ ነፃነቱ ተስፋ ይገብር ነበረ። ነገራት ንዓኻ መፀገምቲ ተኾይኖም ፡ ጽባሕ ካብ ኣምላኽ መፍትሒ ክረኽበልኩም እየ ኢልካ ንገሮም። ድሕርዚ 'ዚ ፅባሕኻ እናሓሰብካ ብፍሽኽታ ንበር። " ❤️ ፖፕ ሺኖዳ ~~ " ንእግዚኣብሔር ስለ ናይ ፀገምካ ዕብየት ኣይትንገሮ ፡ ንፀገምካ ስለ ናይ እግዚኣብሔር ዕብየት ንገሮ እምበር..! " ~~ @aqlessia @aqlessiabot /ንሕቶን ፣ ሓበሬታን/
✨✨ ናይ ኣቡነ ቄርሎስ ሕይወት ካብ ፀሎት ተፈልዩ ኣይፈልጥን። በብመዓልቱ ለይቲ ሠዓት 8፡00 እናተንስኡ መዝሙረ ዳዊት ፣ ቅዳሴ የጠናቕቑ ነበሩ። ኣብ ጵጵስና ዘመኖም ካብ 12,000 ንላዕሊ ቅዳሴታት ቀዲሶም ኣቑሪቦም እዮም። ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ብማንም ሊቀ ጳጳስ ዘይተፈፀመ ዓብዪ ተጋድሎ እዩ። • ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ፥ "ኣቦና ክንድዚ ቅዳሴ ከመይ ክትቅድሱ ክኢልኩም..?" ኢሉ ሓተቶም። • ኣቡነ ቄርሎስ 'ውን ፥ "ቅዳሴ ከም ሓላፍነት ዘይኮነስ ከም ሕይወት ቀፀርክዎ። ልክዕ ከም ዝትንፍሶ ኣየር ፥ ከምዝሰትዮ ማይ.. ወደይ ፀሎት ንነፍሲ ልክዕ ከምኡ እዩ.." ኢሎም መለስሉ። ንሕና 'ኸ ቅዳሴ ከም ሕይወት ዲና ንሪኦ ወይስ ከም ግዴታ..? ✍ ዲ.ን ያዕቆብ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "ድብርት'ን ጭንቀትን ዝምንጭው ፡ ኣእምሮና ካብ መጠን ንላዕሊ ክርበሽ ከሎ እዩ። እዚ ዝኽሰት ድማ ብስንፍና ፡ ከንቱ ነገራት ብምውራይ ፡ ወይ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምምጋብ እዩ.." ✍ ማር ይስሐቅ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "ሕጉስ ኩን ፡ ሰላምታኻ ንፁህን ብፍሽኽታ ዝተዓጀበን ይኹን። ናብ ጭቕጭቕ ካብ ምእታው ንባዕልኻ ሓልው። ዘረባኻ ሓፂርን ብጨው ዝተቐመመን ይኹን። ካብ ሰይጣን ወፃኢ ካሊእ ፀላኢ ኣይሃልኻ። ናይ ሰባት ስሕተት ኣይትመርምር ፡ ናይ መሓዛኻ ሓጢያት ኣይትግለፅ ። ናይ ብፃይካ ውድቀት ደጋጊምካ ኣይትዛረብ። ቅዱስ ፣ ጥንቁቕ ፣ ግልፅን በሊሕን ኩን። ርግዓታ ዝተላበሰ ስብእና ይሃልኻ።" ✍ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ( 📖 የትህርምት ሕይወት) @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ እግዚኣብሔር ድኻምካ ከምዝፈልጥን ፡ ክሳብ ሐዚ ከም ዝፈትወካን ርግፀኛ ኹን። ..ኣብ ሓጥያት ውሽጢ ዋላ ውደቕ ፤ እግዚኣብሔር ከድሕነካ ፡ ናብ ባዕሉ ከቕርበካ ፡ ናብ ናይ ቀደም ቦታኻ ንኽመልሰካ ከምዝሰርሕ እመን.." @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ " እግዚኣብሔር ካብ ፍፁምነትካ ንላዕሊ ፡ ወዲቕካ ምልዓልካ ደስ የብሎ.." ✍ ቅዱስ ፓይስዮስ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ፣ ርኢቶን
✨✨ " ከምዚ ግበር ፥ ክትድቅስ ከለኻ ፀልይ ፡ ክትነቅሕ ከለኻ 'ውን ፀልይ ፡ ...ሕይወት ክከብደካ ኸሎ ፀልይ ፡ ሕጉስ ክትኸውን ከለኻ 'ውን ፀልይ ፡ ... ርግፀኛ ምዃን ክኣብየካ ኸሎ ፀልይ ፡ ...ተምራቱ ክትሪኦ ኢኻ ምኽንያቱ ..እግዚኣብሔር ኩሉ ጊዜ ምሳኻ ስለ ዝኾነ..." ✍ ፖፕ ሺኖዳ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "..ኣነ ግን ብምሕረትካ ይተኣማመን እየ ፥ ልበይ'ውን ብመድሓኒትካ ደስ ይብሎ ፥ ነቲ ዝረድኣኒ እግዚኣብሔር የመስግኖ ፥ ንልዑል እግዚኣብሔር ሽም 'ውን ክዝምር እየ.." / መዝ 13፥5 / @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ ከም ዝደኸመካ እግዚኣብሔር ይፈልጥ እዩ ፤ ዝኽኣልካዮ ኩሉ ትገብር ምህላውካ ይፈልጥ እዩ። ስለ መፃኢ.. መልሲ ከምዘይብልካ ይፈልጥ እዩ። ንሱ ግን ይርኤካ እዩ ፥ ተስፋ ከምዘይቖረፅካ ይርኢ እዩ። ..ንዓኻ እቅድ ኣለዎ እዩ ፤ መንገዲ 'ውን ከዳልወልካ እዩ። @aqlessia 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ " ፅድቂ እዩ ኢልና እንሰርሖ ሓጥያት ከም ዘሎ ክንፈልጥ ኣለና። ..ቅንዕና ብዝመስል ዝተሸፈነ ቅንኢ ፥ የዋህነት ብዝመስል ዝተሸፈነ ክፍኣት ፥ ብትሕትና ዝተሸፈነ ትዕቢት ፥ ኣብ ምሕባእ ውሽጢ ዘሎ ርኣዩኒ ርኣዩኒ ምባል... ወዘተ.. እቲ እንገብሮ ፡ ንምንታይ ከም እንገብሮ እግዚኣብሔር የብርሀልና! ልቢ ኣምላኽ ዳዊት ከምዚ በለ... "ንስሕተት መን ኮን ዘስተውዕላ..? ካብ ዝተሰወረ ሓጥያት ኣንፅሀኒ.." /መዝ 18፥12/ ✍ ፖፕ ሺኖዳ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "..ኩሉ ብቑምነገር እንተሒዝናዮ ምስ ሰባት ምንባር ክኸብደና እዩ። ስለዚ ነገራት ኣቕልል ኣቢልና ብምሕላፍ መንፈሳዊ ጥበብ ንጠቐም።" "...ሓደ ሰብ ቅር ዘብል ነገር እንተተዛሪብካ ፤ ከም ዘይሰማዕኻዮን.. ንሱ 'ውን ከምዘይተዛረቦን ጌርካ ውሰዶ። ...ንዘረብኡ ብየዋህነት ተቐበሎ ፣ ስሓቐሉ ፣ ናብ ቀልዲ ውን ቀይሮ እምበር ..ናብ ቁም ነገር ኣይተዙሮ።" "ሰላምካ ንምሕላው ፥ ኩሉ ክፉእ ንግግር ናብ ልብኻ ኣይተእትዎ። ብፍቕሪ እምበር ፥ ብግትርነት ኾነ ብቑምነገር ክትስዕሮም ኣይትኽእልን።" "..ጎይታና ክርስቶስ 'ውን ናይ ኩላትና ሓጥያት ዝተዓገሶ በዚ መልክዑ እዩ።" ✍ ፖፕ ሺኖዳ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ፣ ርኢቶን
✨✨ "ወድሰብ ብሕታውነት ዝስመዖ ፡ ካብ ሰብ እንትርሕቕ ዘይኮነስ ፡ ካብ እግዚኣብሔር እንትርሕቕ እዩ።" ✍ፖፕ ሺኖዳ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨💯✨ ብሕቡእ ናይ ዝፀልአካ ዓርኪ (መሓዛ) መፍለዪ ጠባያት... 1 • ኣብ ድሕሬኻ ብፅቡቕ ኣየልዕለካን ትኽክለኛ ዓርኪ ንስኻ ኣብዘየለኻሉ ስለኻ ብዝዛረቦ እዩ ዝዕቀን። 2 • ክሳኽዐልካ ኸሎ ኣይሕጎሱን.. ብኣፎም "እንኳዕ ደስ በለካ" ክብሉ ይኽእሉ ፤ ኣብ ዓይኖም ግን ግልፂ ዝኾነ ቅንኣት ይንበብ። ...ውፅኢታውነትካ ንምንእኣስ "ብዕድል'ኮ እዩ".. ወይ'ውን "ቀሊል ድአ ኾነይ" .. ብምባል ዓብዪ ነገር ከም ዘይኮነ ከምስሉ ይፍትኑ። 3 • ኣብ ወግዒ ማእኸል የቃልሉኻ ኣብ ቅድሚ ሰባት ቀልዲ ኣምሲሎም የነኣእሱኻ ፤ ብዘረብኦም ክትኩሪ እንተይልካ ድማ ከም ቀልዲ ዘይትፈልጥ ክገብሩኻ ይፍትኑ። 4 • ናይ ግሊ ጉዳይካ ንሰባት ይሓምዩኻ ስለኻ ዝበልዎ ካብ ካልኦት ሰባት ትሰምዖ። ፍትወይ... ንዓኻ ስለ ናይ ካልኦት ሂወት ዘውግዑኻ ተኾይኖም ፣ ናትካ ናይ ግሊ ጉዳይ 'ውን ንኻሊእ ይነግሩ ምዃኖም ፍለጥ። 5 • ምሳኻ ይፎኻኸሩ ንዓኻ ከም ዓርኪ ዘይኮነስ ከም መወዳድርቶም ይሪኡኻ። ዝኾነ ነገር እንተገዚእኻ ወይ ውን እንተቐይርካ ፥ ካባኻ ዝሓሹ ከምዝኾኑ ንከርእዩ ይፍትኑ። ልዕሌኻ ንክኾኑ እዮም ዝፅዕሩ። • ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብግዜ ብምርሓቕ ፡ ስነልቦናውን መንፈሳውን ጥዕናኹም ሓልዉ። ✍ diacon yaqob @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ ቅድሚ ምዝራብካ ቃላትካ ብሰለስተ ነገራት መርምሮም... 1- እቲ ዝዛረቦ ዘለኹ ሓቂ ድዩ..? 2- ሐዚ ምዝራበይ ኣድላዪ ድዩ..? 3- ቅንዕናን ፅቡቕነትን'ኸ ዝሓዘለ ድዩ..? ..ኢልካ ሕተት ፡ እንድሕር ዘይኮይኑ ግን ሱቕ በል..! 📖 ዜና ኣበው @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
🕯❤️🕯 ናይ ሕሉፍ መልክዕኺ ናይ ንእስነት ግዘ ስእልኺ ራእኽዎ ብኣድናቖት ፈዚዘ ንዓይ ከተድምቒ #ሎሚ_ዝደብዘዘ.. # … :- ናይ ውፃእ ውረድ ጉዕዞ ዝተጎዓዝክዮ ሕሊናዊ ስቓይ ስለይ ዘሕለፍክዮ ሂወት ብዘይብሎም ቓላታት ብምምራፅ ሂወት ንዝሃብኪ ከመይ ኢለ ክገልፅ። #ይዛረብ_ማዳኺ ይግለፆ ውሽጥኺ ዘሕለፍክዮ ሂወት ይመስክር ሕቖኺ.. ... ካብ ፀሐይ ንላዕሊ ፡ ፀሓይ ኢኺ ንዓየ ፈፂምኪ ኣይትዓርብን ዋላ እንተመሰየ ... #ናይ_የውሃት ገፅታ ዝተዓደልክዮ ናይ ፈጣሪ መልክዕ ኣባኺ ርእየዮ ካብ ኢድኪ ረኺበ ማንም ዘይሓልሞ ካብ ሒወት ዝበልፅ ውህብቶ የለን 'ሞ.. ... #የቐንየለይ🙏🙏🙏 ❤️ Happy mothers day ❤️ ✍ ዲ.ን ያዕቆብ @aqlessia 👈 join @yaqob27 👈 ንሕቶን ፣ ርኢቶን
✨✨ ሓደ ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝረሓቐ ብምንታይ ይፍለጥ..? ናይ እግዚኣብሔር ካብ ዝኾኑ ነገራት ኩሎም ይርሕቕ.. ካብ ቤተክርስትያን ፣ ካብ ጸሎት ፣ ካብ ቅዳሴ ፣ ካብ ኣገልግሎት ካብ ኩሉ... ናይ እግዚኣብሔር ካብ ዝኾኑ ነገራት ዝረሓቐ ፥ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝረሓቐ ብኡ ይፍለጥ።" " ኦ ናይ ሰራዊት ኣምላኽ ፡ መሕደሪኻ ከመይ ዝተፈተወ እዩ.. ነፍሰይ ናይ እግዚኣብሔር ገዛ ትፈቱ ፡ ትናፍቕ እውን.. ልበይን ስጋይን ብእግዚኣብሔር ደስ በሎ.." /መዝ 83፥1/ ✍ ፖፕ ሺኖዳ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "እቲ ዝጎድአካ ሃፍትኻ ኣይኮነን ፡ ድኽነትካ 'ውን ኣይኮነን። ንሰብ ዝጎድኦ ክፉእ ልቢ እዩ። ክፉእ ልቢ ካልኦት ክፉኣት ልብታት ይወልድ። ልክዕ ሓዊ ንሓዊ እናወለደ ብዙሕ ከምዘንድድ ክፉእ ልቢ 'ውን ከምኡ እዩ። ፍትወይ ክፍኣት ብተፈጥሮ ዝዕደል ኣይኮነን ፤ ድሕሪ ጊዜ ካብ ልብኻ ዝምንጭው እምበር።" ✍ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "ሕጉስ ኩን ፡ ሰላምታኻ ንፁህን ብፍሽኽታ ዝተዓጀበን ይኹን። ናብ ጭቕጭቕ ካብ ምእታው ንባዕልኻ ሓልው። ዘረባኻ ሓፂርን ብጨው ዝተቐመመን ይኹን። ካብ ሰይጣን ወፃኢ ካሊእ ፀላኢ ኣይሃልኻ። ናይ ሰባት ስሕተት ኣይትመርምር ፡ ናይ መሓዛኻ ሓጢያት ኣይትግለፅ ። ናይ ብፃይካ ውድቀት ደጋጊምካ ኣይትዛረብ። ቅዱስ ፣ ጥንቁቕ ፣ ግልፅን በሊሕን ኩን። ርግዓታ ዝተላበሰ ስብእና ይሃልኻ።" ✍ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ( 📖 የትህርምት ሕይወት) @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ እግዚኣብሔር ናብ ቤተ-ክርስትያን ንምኻድ ዝሓሰብካዮ ጊዜ ፥ ወይ ናብ ቤተክርስትያን ዘይመፀ ሰብ ንክትሓትት ዝኸፈልካዮ ዋጋ ፡ .. ፀገሙ ንምፍታሕ ዝወሰድካያ ሓንቲ ስጉምቲ ኣይርስዕን። ንዝሓረቐ ሰብ ዘርኣኻዮ ፍሽኽታ ፤ ንዝሓዘነ ሰብ ዘፅናዕናዕኻሉ መፅናዕንዒ ቃላት ኣይርስዕን። ንስኻ ግን ዝኾነ ፅቡቕ ነገር ዋላ ግበር ረስዓዮ.." ✍ ፖፕ ሺኖዳ @aqlessia27 👈ንሕቶን ርኢቶን
✨✨ "ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ ንሓጥያተኛ ባርያኻ ይቕረ በለኒ.." @aqlessia27 👈 ንሕቶን ርኢቶን